Sunday 20 May 2012

ስለ በተ ክርስትያና ድምጽና ነስምዕ::

                             ስለ በተ ክርስትያና ድምጽና ነስምዕ
ኦርቶደክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዝወርዳ ዘሎ በደልን ግፍዕን እዚ ኢልካ ዝግመት ኣይኮነን።ጸላእታን ንጥፍኣታ ዝሓልሙን ኪሳዕ ዝሕጎሱ ሰፍ ዘይብል በደል ይወርዳ ኣሎ ብፍላይ ድማ መንግስቲ ኤረትራ ዝገብሮ ዘሎ ኣብ ውሽጢ እታ ቤተ ክርስትያን ኣቲኻ ናይ ምሕማስ መደብ ጋና ኣየዕረፈን ኣሎ ክበሃል ይከኣል።ብሰንኪ ፖሎቲካዊ መሪሒነት ኤረትራ እንሆ መዓልታዊ ተኸታታሊ ዕንወት ይካየድ ኣሎ። በተ ክርስትያን ን ፖሎቲካ ተሸይጣ ዘሕዝን እዩ ነቶም ዓገብ ዝበሉ ኸኣ ዓገብ ስለ ዝበሉ ጥራሕ  ኣብ ፖሎቲካ ኣትዮም እንዳተባህለ ዝግበር ዘሎ ናይ ጸለመ መድረኽ ነታ በተ ክርስትያን ካብቲ ዘላቲ ሂወት ንኸይትወጽእ  ካልእ ዕንቅፋት ኮይኑ ዘሎ እዩ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤረትራ ዘሎ ሓይሊ ድማ እያ ናይ ኤረትራ ቤተ ክርስትያን ብዕሊ ደኣ ቆይማ ትበሃል እንበር እዚ ምያ ገይራ ኢልካ ክትዛረብ ዝድፈር ኣይኮነን።ዘርዝርካ ክትገልጾ ኣሕዲሩ ዘውዕል እዩ።ነቲ ኣንባቢ እውን መታን ከስልችዎስ  ናይ ዕንወት ዕንወት ይካየድ ኣሎ ደኣ ምባል ይሓይሽ።ካብቲ ዘሕዝን ድማ በተ ክርስትያን እቶም ኣሚና ዝሰደደቶም ጳጳሳት ጠሊሞማ ንሶምን ስልጣናን ኢሎም።ንሶምን ክብርናን ረብሓናን ኢሎም ታይ ይገበር።ካብቲ ገለ ጸገማትና ድማ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ በተ ክርስትያና ተሸይሙ ዝተላእከላ መራሒ ደኣ እያ ክትቅበል ክምጽወተላ ጸኒሑ እንበር።ባዕላ ክትመርጽ ዝነበራ ዕድልሲ ናይ ዕድል ድዩ ኣጋጣሚ ወይ እውን ኣምላኽ ብጽሕዎ ኢሉና ባዕልኻ ናይ ምምራጽ ዕድል ተነፊጉዋ እዩ ጸኒሑ።

ናብቲ ሰፊሕ ከይኣተና ድማ ነቲ  ካብ 96 ዓመተ ምሕረት ኣትሒዙ ዝተፈጸመ በደል እንሆ ናብ ዝኸፍአ ኣንፈቱ ኣምሪሑ እቲ ኣምሳል ክርስቶስ ኮይኑ ን ጳጳሳትን ውሉደ ክህነት ክጓሲ ዝግብኦ ኣቦ በተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ቀደማዊ እንጠንዮስ ክሳዕ ህጂ ኣብ ማሕዩር 6 ዓመት ገይሩ እንሆለ።ስለምንታይ ግን እቲ ኣማኒ ተዋህዶ እየ ዝብል ህዝቢ ኤረትራ ነቡኡ ኣሕሊፉ ሂቡ ይነብር ኣሎ።ስለምንታይ ድምጹ ዘየስምዕ፡ግብጻውያን ነቲ ኣብ በተ ክርስትያኖም ተገብረ በደል ክሳዕ ጳጳሳት ከይተረፈ ዘለዉዎም ኣብ ጽርግያታ ወጺኦም ከም ማርዶኳይ ዋይ ዋይ ኢሎም ፡ንሕና ኸ ታይ ገበርና .ሩስያውያን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያን ተገብረ በደል ፓትሪያርክ ሩስያ ዘለዉዎም ኣብ ጽርግያ ወጺኦም ሰልፊ ብምግባር መረርኦም ገሊጾም ህዝብናን ንሕናን ከ ደኣ ካብቲ በረኸት ከይንካፈል ኢሉና ዶኾን እዩ ኣፍና ዓቢስና ደድሕሪ ተወገዙ ምስዓብ መሪጽና ዘሎና,,,,,,,,,,,,,,,,ይቅጽል።

No comments:

Post a Comment