Sunday 27 May 2012

ስልጣን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘ ኢትዮጵያ ኣቡነ ጳውሎስ ሓደጋ የንጻላልዎ ኣሎ!!::

       ስልጣን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘ ኢትዮጵያ ኣቡነ ጳውሎስ ሓደጋ የንጻላልዎ ኣሎ!!
ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስትያን  ሓንቲ ካብተን ጥንታውያን ኣብያተ ክርስትያናት  እያ።እዛ ጥንታዊት ቤተ ክርስትያን ግን  ብሰንኪ እቶም ሳንሱር ከይተገብሩ በየ ዓመቱ ዝጸሓፉ መጻሕፍቲ ኣብ መንጎ ሊቃውንትን ማህበረ ቅዱሳን ተባህለ ማህበርን ምፍጣጥ ካብ ዝካየድ ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። ማህበረ ቅዱሳን ንነፍሱ ከም ሓያልን እሙኑን ገይሩ ዘቅርብ ኣብ ኤረትራ ከይተረፈ ጽልዋ ዘለዎ ምስ መንግስቲ ኤረትራ ኮይኑ በቶም ኣብ ፐራዲሶ ኪዳነ ምሕረት ነበሩ ዲያቆናትን ኣባላት ትምህርቲ ሰንበትን ገይሩ ኣብ ምውራድን ምእሳርን ኣቡነ እንጠንዮስ ዝተሳተፈ፡ኣብ እንዳ ስላሴን ኣብ ቅድስቲ ማርያም ደብረጽዮን ኣስመራን መጽሓፍ ቅዱስ ክነድድ ኣብ ዝተገበረ  ብ መገዲ ኣባላቱ ምስ ኣባላት  ጸጥታ ኤረትራ ብምስማር ህዝቢ ብምውዳብ  ዕንወት ዘካየደ ማህበር ምኻኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ማህበረ ቅዱሳን ሽሙ ደኣ  ማህበረ ቅዱሳን ተባሂሉ እንበር እንተ ስርሑስ ኣይናይ ቅዱሳንን።እንሆ ድማ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ንገለ ጳጳሳት ከም እኒ ኣቡነ ሳሙኤል ዝበሃሉ ኣቡናት ብረብሓን  ብምሓዝ ን ቤተ ክርስትያን ኣብ ክልተ ክመቅላ ይጽዕር።ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ብዘይ ፍቃድን መሪሕነትን ፓትሪያርክ ኣቡነ ጳውሎስ ውዕሎ ብምግባር ክሱሳት ኣብዘይ ብሉ ብዘይ ሕግን ስርዓትን ቤተ ክርስትያን፡ ንገለ መነኮሳት ዘለዉዎም ካብ ቤተ ክርስትያን ክባረሩን ክህነቶም ክትሕዝን ትእዛዝ ሂቡ ኣሎ።ፓትሪያርክ ዘይብሉ ውሳነ ግን ከመይ እዩ።ደሓር ከ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስትያን ሕቶ ክትምልስ ተዘይከኣለት ን ካህናት ተውግዞም ድያ፡ስለምንታይ ከ ከምቲ ቤተ ክርስትያን ቅድመ ህጂ ን ኣርዮስ ኣቅሪባን ረቲዓን ድሕሪ ብዙሕ ምኽሪ እምብለይ ኢሉ ምስ ኣበየ ረቲዓ ዘውገዘቶ ረቲዓ ከተውግዞም ዘይከኣለት ከሳስን ተኸሳስን ዘይብሉ ኸ ውሳነ ይወሃብ ድዩ፡ገለ ካብቶም ተከሲሶም ዘለዉ እውን ብኣካል ክቀርቡን ክሕተቱን ከም ዝሓተቱን ታ ዝቀረበት ኮሚተ ግን ከም ዝሓንገደትን ምንጭታት የብርሁ። ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ ድማ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ሓቂ ብምስኣኑን ርእሰ ተኣማንነት ስለ ዘጥፈአን ነቲ ክርክር እቶም ክሱሳት ብ ቪዶ ካመራ ብምቅዳሕ ኣብ ኣሕዋት ኣብያተ ክርስትያናት መታን ከይኸሱ እዩ ከምዚ ተገይሩ ይብሉ ተዓዘብቲ።

ማህበረ ቅዱሳን ነቶም ብትምህርቶምን ብሊቅነቶምን ዝፍለጡ  ኣቡነ ጳውሎስ መናፍቅ ክብል ይኸስስ፡ ማህበረ  ቅዱሳን ኣቡነ ጳውሎስ ክወርዱ ኣለዎም ብምባል ብ ኢፋ ይዛረብ ኣሎ። ኢትዮጵያ ካብ ግዜ ሃጸይ ዘርኣ ያዕቆብ ክሳዕ ህጂ ኣብ ብዙሓት መነኮሳት ብዙሕ በደልን ክፋእን ተንኮልን ከም ዝገበረት ስለ ዘቃልዑ እዮም፡ ድማ እያ ነዞም ኣስታት (7 )ሸውዓተ ዝኾኑ ኣገልገልቲ ስጉምቲ ተወሲድዎም ዘሎ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስትያን ኣብ ግዜ ሃጸይ ዘርዓ ያዕቆብ ዝገበረቶ ተንኮል ኣብ ዝመጻእ ከነቃልዖ ምኻና ንሕብር፡ብ ተወሳኺ እውን ነዚ ዘለኩም  ተወሳኺ ክትልእኩልና ንሕብር። ስጉምቲ ተወሲዱዎም ዘሎ ወገናት።ብ ተወሳኺ እዞም ኣገልገልቲ ነቲ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ዓልያቶ ዝብልዎ ኣዝዩ ዘደንቅን ሰሚዕናዮ ዘይንፈልጥን ተዓቢጡ ዝነብር ነበረ ኣዝዩ ዘይክርስትያናዊ ስነ ምግባር ክቅወሙ እውን ብምጅማሮም  ሲኖዶስ ኢትዮጵያ እዚ ን ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣፍራስ እዩ ይብል።ኣብ  መደምደምታ ናይቲ መግለጺ ሲኖዶስ  ዘውጽኦ ስምዑ፡ ደጀ ሰላም ዝብል ብሎግ ማህበረ ቅዱሳን ኣውጺእዎ ኣሎ። እዞም  ገለ ዉሉደ ክህነት ዘለዉዎም ድማ ነዚ ብምዝራቦም ክንዲ ገይጋ ተልይዎም ምርዳእ ፡ ብ ማህበረ ቅዱሳን ተኸሲሶም።በየ በትኡ ሽሞም ጸለሎ እንዳ ተቀብአ ይርከብ።

ብዙሓት ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስትያን ድኽመታታ ገምጊማ ዳግማይ ውዳበ ብምግባር ን ኣብ መንጎ ኣገልገልታን ጳጳሳትን ብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዝኾነ ኣገባብ ክትፈትሖ ተዘይ ኪኢላ ፡ከምቲ ኣብ ግዜ ዘርዓ ያዕቆብ ዝገበረቶ ብሓይሊ ንነገራት ክትኣልዮም ተጀሚራ፡ ዘሎ ዶሞክራሲ ናይታ ሃገር ን ብሓይሊ ዝንቃሳቀሱ ቦታ ስለ ዘይብሉ ናብ ተፋላለዩ ግጅለታት ክትመቃቀል ከም ትኽእል ተዓዘብቲ ይዛረቡ ኣለዉ።እንተ ማሕበረ ቅዱሳን ግን ኣቡነ ጳውሎስ ከይወረዱ ኣይዳነን እዩ ዝብል ዘሎ፡ንኹሉ ንምርኣይ ግን ምቅናይ።
                              ወስብሐት ለእግዚኣብሔር!
dmstiorthodox@gmail.com