Tuesday 22 May 2012

መክብብ 10:4:መንፈስ ገዛኢ ኣብ ልዕሌኻ እንተ ተላዕለ ትዕግስቲ ንዓብዩ ኣበሳ ተህድእ እያ እሞ፡ ስፍራኻ ኣይትሕደግ።


መክብብ 10:4:መንፈስ ገዛኢ ኣብ ልዕሌኻ እንተ ተላዕለ ትዕግስቲ ንዓብዩ ኣበሳ ተህድእ እያ እሞ፡ ስፍራኻ ኣይትሕደግ።
ነዛ ጥቅሲ እዚኣ ብዙሓት ሰባት ኢና እንፈልጣ ንብል ግን ትዘሕዝን ኣይንፈልጣን ተንፈልጣስ ምገበርናያ ነርና። ቃል ኣምላኽ ቅዱስ መጽሓፍ ብዙሕ ግዜ እዩ ደጋጊሙ ደጊሙ ብዛዕባ ትዕግስቲ ተዛሪቡ።እንተኾነ ሰኣን ትዕግስቲ ምስግባር ዝጠፍእ ዘሎ ሂወትን ዝፍጠር ዘሎ ዕግርግርን ዝመጽእ ጽልእን ቅርሕንትን መወዳእታ የብሉን፡ኣብ መንፈሳዊ ሂወት እውን ነዛ ቃል እዚኣ ሰኣን  ምፍጻም ክንደይ ኢና ናይ እምነት ቦታና መሐለዊና ሓዲግና ፈቀድኡ ሸንኮለል ንብል ዘለና።
ከም ኣብነት ኣብ ኤረትራ ትምህርቲ ሰንበት ካብ ዝዝጅመር  ዳርጋ 50 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ተኾነ እዞም ኩሎም በዚ ትምህርቲ እዚ ዝሓለፉ ነዛ ቅድስቲ ጽሕፍቲ ከየስተውዓሉዋ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂፎም ምንባሮም እዩ።ትምህርቲ ሰንበት ነይሩ ፡ከመይ ነይሩ ታሪኹ ብዙሕ እዩ፡እንታይ ዓይነት ድኽመታት ነሩዎ ክንብል እውን ከይነውሓና ፡ሰኣን ካህናት ሰኣን ጳጳሳት መንእሰያት ጠፊኦም እዮም።መንእሰያት ዳርጋ ጫፍ መጽሓፍ ቅዱስ እንበር መጽሓፍ ቅዱስ ሲ ኣይፈልጥዋን እዮም ነሮም።
እቲ ድኽመት ካብ መሪሕነት ኦሮቶዶክስ ተዋህዶ እኳ ነይሩ ተኾነ ካብ እቶም መንእሰያት እውን ሰፍ ዘይብል ድኽመት ነሩ እዩ። ዝመጸ ይምጻእ ፈተና ኣብ መሐለዊኦም ክጸንሑ ነሩዎም።ምኽንያቱ ቃል ቅዱስ መጽሓፍና ስፍራኻ ኣይትሕደግ እዩ ዝብል ዘገርም ግን ናይቶም ካብ ስፍራኦም ዝወደቁ ከዋኽብቲ ቅድሚ 9 ዓመት ኣብ ቀጽሪ በተ ክርስትያን ነበሩ ትምህርቲ ሰንበት እዩ።ነበር ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበት ፍኖተ ብርሃን ቅድስቲ ማርያም፡  እንዳ ሥላሴን፡ ወዘተረፈ,,,,,,,,,,, ብዙሓት ነበሩ መንእሰያት እዩ።ክንሓስቦ ከለና ዋእ የድንቀና እዩ።መጽሓፍ ቅዱስ ኣይፈልጡን ከይትብሎም ኣለዎም፡ግን ኣብቲ ምግባሩ ጸጊሙዎም።
ንሱ ድማ ካብዞም ኣብዘን ዝጠቀስናየን ኣብያተ ክርስትያናት ዝነበሩ ንሕና ኦርቶዶክስ ኢና ኢሎም እዮም ጥርዓን ኣቅሪቦም ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ይኹን ናብ መንበረ ፓትርያርክ ፡ ክሳዕ መዝሙር ከም ዘሕተሙ እውን ብሽም ኦርቶዶክስ ሪኢና። ብሽም እዛ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ።እሞኸ እቲ መልሲ መጺእዎም ድዩ ወይሲ ከምቲ ነቦና ኣብርሃም ዝበሉ እዩ ተፈለዩ ኢልዎም።ክትፍለ ኣምላኽ ክብለካ ኣለዎ።እቲ መልስስ ኣይተዋህቦምን እኳ ደኣ ዝካትዕሎም ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ምንባሮም ንሶም እውን ዝፈልጡዎ እዩ።ዳሕራይ ድማ ሓደ እውን ሕቶ ዝኾነካ ኣሎ ከመይ ኢሉ እዩ ናይ ዓመታት ጉዕዘኦም ብ ሓደ ግዜ እሞ ብሓንቲ ናይ ኢትዮጵያ ማሕበር ሃደሽደሽ ኢሉ ዝፈረሰ ፡እዚ እውን ሕቶ እዩ?፡ ዝምልሶ ህጂ የለን።
ናይ ብሓቂ ዕላማ ዕዮ ወንጌል ኣብ ተዋህዶ ተኾይኑ ነሩዎም ግን ስለምንታይ እዮም ነቲ ዝሓተትዎ ሕቶ ዘይተጸበዩ፡ነቲ ዝሓተቱዎ ሕቶ እቶም ተጻረርቲ ወንጌል ዝበልዎም ከይመለስሎም ከለዉ ግን ባዕሎም መሊሶሞ፡ከይዶም። ከምቲ ገዘኻ ኺድ ኢልካ ከየፋነኻዮ ዝኸይድ ተመሃራይ ምኻዶም ከኣ ዋእ  ነታ ምህዳእ ትብል ጥቅሲ ክትግብሩዋ ስለ ዘይደለዩ ዶኾን ይኾኑ የብለካ።ኣብ ህድኣት ብዙሕ መኽሰብ እዩ ዘሎ፡ኣብ ምህዳእ ጣዕሳ የለን፡ኣብ ምህዳእ ብዙሕ ሓጎስ ኣሎ፡ኣብ ምህዳእ መከራ ኣሎ፡ካብቲ ውሽጢ መካራ ሓሊፍካ ኸኣ ዓወት ኣሎ። ኣብ ራእ የሓንስ ራእይ ዮሐንስ 2:3:ትዕግስቲ ኸኣ አሎካ፡ ስለ ስመይ ኢልካውን ተጻወርካ፡ ኣይሰልኬኻን። ደኣ እዩ ዝበለ እንበር መገዲኻ ቀይርስ ኣይበለን።ስለዝስ ትማሊ ምስ ትጸርፎም ነበርካ ብቋንቋታት ይጽልዩ ኢልካ ሕብረታት ኣብ ሕብረታቶም ኣቲኻ መዳመቂ ክትከውን ናይ ብሓቂ ንልቢ ዘለዎስ ብ መንፈስ ዘየቅስ እዩ።

ዘገርም ነገር ኮይኑ ዘሎ ሎሚ ቁሩብ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጥ ተቢልካ ጥቅሲ ተጣራቂምካ ሓንቲ ክትግበር ዘለዋ ቁሩብ ንዓኻ ዝመስሉኻ ሒዝካ ሽም ምርጽ ኣቢልካ በተ ጾሎት ምውጻእ እዩ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ፡እዝስ መንፈሳውነት ድዩ፡ዋላስ እንታይ??፡ኣምላኽ ብሕብረት ደኣ ይሕጎስ እንበር ብምፍሊላይሲ ኣበይ እዩ ተሓጎሰ፡ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ክሳዕ1ይ ዮሐንስ 4:2:ንመንፈስ ኣምላኽ በዚ ኢኹም እትፈልጥዎ፡ የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዚእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ካብ ኣምላኽ እዩ፡ ከም ዝበሎ ሓንቲ በተ ክርስትያን ከምዚ ክሳዕ ዝኣመነት ክንፍለያ የብልናን።
ናይዚ ዝሓለፈ ከምዚ ኢሉ ሕርኽራክ ዘለዎ ታሪኽ ዘለዎ ኮይኑ ሓሊፉ ኣሎ።ማይ ብሖቅ ፕሮቲስታንት ዝጠዐመ ክምለስ ከኣ ንግዝየ ንህቦ ፡ናይዞም ናይ ህጂ ዘሎና ኸ ከመይ እዩ ክኸውን ዘለዎ ተልና፡ህጂ እውን ፈተና ክመጽእ እዩ።ፈተና ይመጽእ ኣሎ።ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይብሉ ኣገልግሎት ጥራሕ እዩ ፈታን መከራን ዘየለ እንበር ነገረ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን እቲ ሓቂ ን ኢየሱስ ክርስቶስ መድኃኒ ዓለማት ዝሰብኽ ወፍሪ መንግስተ ሰማይ ስለ ዝኾነ ፈተና ክህሉ እዩ።ሞት እውን ኣሎ።
ፈተና ተጸሊእካ ናብቶም ተሓምበለ ክብሉ ዝውዕሉ ጥራሕ ክትከይድ ኣለካ፡ኣብ ናይ ኦርቶዶክስ ኣገልግሎት ግን ኩሉ ግዜ ኢኻ ትኸፍል ከይከፈልካ ኣይትሓልፍን ስለምንታይ ናይ ሃወርያት ኣገልግሎት ስለ ዝኾነ።ኦርቶዶክስ  በተ ክርስትያን ኣብ ምሉእ ናይ ኣገልግሎት ዘበን ሂወት ኣገልገልታ ብመስዋእቲ ዝተሰነየ እዩ ነበረን ዘሎን፡ኣብዚ ቀረባ እዋን እኳ እንሀዉ ብጹእ ወቅዱስ ፓትሪያርካ ብዓቢኦም ኣብ ከቢድ ፈተናን መከራን ኣለዉ ።ወንጌል ሉቃስ 17:37:መሊሶም ከኣ፥ ጐይታይ፡ ኣበይከ እዩ፧ በልዎ። ንሱውን፥ ኣብቲ ገምቢ ዘልዎ፡ ኣሞራታት ናብኡ ኺእከቡ እዮም፡ በሎም።
 ፈተና ዘይብሉ ሂወት ኣይኮነን።ፈተና ዘይብሉ ክርስትና ኣይኮነን።ሰጣን እውን ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓቂ ዝስበከሉ እዩ፡ክፍትን ዝመጽእ።ነቲ ፈተና ፈቲኑ ምዃን ምስ ኣበዮ ድማ ስደትን፡ መከራን፡ሂኮትን የምጽእ።ስለ ወንጌል ክብል ዝጠፍአ ሂወት ኦርቶዶክሳዊ ኣብ ዓልም ብቁጽሪ መዳረግቲ የብሉን።ሎሚ ነዚ ተሓዋወሰ ሂወት ናይ ገለ ኣገልገልቲ ሪኢኻ ን ኦርቶዶክሳውነት ከምዝን ከምትን ምባል ግን ንባሃሊኡ ምምላሱ የካእሉ።ስለዝስ ልዕሊ ሰማእታትና ን ወንጌል ሂወቱ ዝሃበ የለን እሞ ድሕሪ ደጊም ሓደ እኳ ላሕ ኣየብለና።
እወ ህጂ እውን ኦርቶዶክሳዊ መገዲ ክሳዕ ዘይተሓዋወሰ ክሳዕ እቲ ጽሩይ ወርቂ ኣብቲ ውሽጢ ክሳዕ ዘሎ፡ነቲ ጽሩይ ከም እኒ ቅዱስ ኣትናቴዎስን ቀርሎስን ያዕቆብ የውሐንስ ኣፈወርቅን ብሓፈሻ ድማ ቅዱሳን ሃወርያት  ዝሰርሕዎ ብ መንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ክሳዕ ዝተማህረን ዘይተገድፈን ፈተና ክህሉ እዩ፡ግን ከምዞም ሰኣን ትዕግስቲ ሰኣን ን ኣምላኽ ምጽባይ ናይ ኣምልኾ ቦትኦም ሓዲጎም ፈቀዱኡ ሸንኮለል ዝብሉ ዘለዉ ኣሕዋትና ከይንኸውን ንጠንቀቅ፡ክንደይ ግዜ ዝጸልይዎ ጸሎት ክምልሰሎም ደልዩ ኣምላኽ መጺኡ ከም ልማዱ ንሶም ግን ኣብ ቦትኦም ኣይጸንሑን ኣምላኽና ግን ኣሎ።ከምቲ እግዚኣብሐር ኣምላኽና ን ኣዳም ከዕልሎ ዝመጸ እሞ ዘይረኸቦ ኮይኑ ኣምላኽ ኣብቲ ዘቀመጠካ ክስእነካ ከሎ ሸንኮለል ኢኻ ትብል።
ንሕና እዞም ኣብኣ ኣብ ጽላላ ዘለና ግን ኩሉ ግዜ ንዝፍጠሩ ፈተናታት ብትዕግስቲ ክንሓልፎም ብንብዓት ናብ ኣምላኽና ክንቀርብ ይግብኣና ፡ ኮሪና ክንከይድ ወይ ተሓጊስና ክንምለስ ኣይብልናን።ክርስትና ኮሪኻ ትገድፎ ናይ ኣገልግሎት ጉዕዞ ኣይኮነን።ስለዚ ካብዞም ኮርዮም ከይዶም ዘለዉ ኣሕዋትና ክንጥንቀቅ ኣሎና።ተዋህዶ ን ኢየሱስ ክርስቶስ ትሰብኮ ኣላዶ የላን ንዝብል ድማ ዞም ኩሎም ተዘርጊሖም ዘለዉ መጻሕፍቲ ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ይመስክሩ፡ን የዒንቶም የንዊሐን ኣይጠመታን ብ ሓዊ ዝኾነ መከራ ሓሊፎም ክንሶም ነቲ ኣኽሊል ከይወሰዱዎ ተኸሲፎም።እቶም ራኢ ዘለዎም ግን ህጂ እውን ብ መከራ ይሓልፉ ኣለዉ።ገለ እንዳ ተጸረፈት ገለ እንዳ ተሓመየት ገለ እንዳ ተኣሰረት ገለ መከራ እንዳኣሕለፈት፡መጋበ ምስጢርን፡መምህር ዓንደብርሃንን  ከም እኒ መሪጌታ ይትባረክን ቀሺ ገብረመድህን ገብረገርግሽን ወዘተ ካልኦት ,,ድማ ህያው ኣብነትና እዮም።
ትዕግስቲ ብጣዕሚ እዩ ዘድሊ ያዕቆብ 5:11:እንሆ፡ ነቶም እተዐገሱ ብጹኣን እዮም ንብሎም አሎና። ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕኩም አሎኹም፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብዙሕ ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን እዩ እሞ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ መወዳእታ ርኢኹምዎ ኣሎኹም። ስለዝ ክንዲ ሃይማኖት ይኸውን ብሓንሳእ ምውሳን እሞ ድማ ክሳዕ ክርስቶስ ኣምላክ ምኻኑ ንእትኣምን በተ ክርስትያን ሓዲግካያ ክትሽፍት ሰናይ ኣይኮነን።ስለዚ ነቶም ስፍርኦም ዝሓደጉ እግዚኣብሐር ዘፍጥረት 31:3:እግዚኣብሄር ከኣ ንያእቆብ ናብ ምድሪ ኣቦታትካን ናብ ዓሌትካን ተመለስ እሞ ምሳኻ ክኸውን እየ፡ በሎ።እግዚኣብሔር ዝብሎም ንዑ ናብ ዓለትኩምን ናብ ኣቦታትኩምን ተመለሱ እዩ።
ቃል እግዚኣብሔር ዕብራውያን 10:36:ፍቓድ ኣምላኽ እናገበርኩም፡ ነታ ተስፋ ምእንቲ ኽትረኽብዋስ፡ ትዕግስቲ የድልየኩም እዩ። ይብለና ስለዚ ትዕግስቲ ከድሊ እዩ፡ወሲኹ እውን ቃል ቅዱስ መጽሓፍና ሮሜ 5:3:ግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነን። ክርስትያን ብ መከራ ጥራሕ ክሕጎስ ኣለዎ።ክምካሕ ኣለዎ፡ሎሚ ንዝመጹና መከራታት ብእኦም ሓሊፍና ኣኽሊል ዓወት ንምጭባጥ ደኣ ክንጓየ ኣሎና እንበር ኣብቶም ማሕበላት ክንጥሕል ወይ እውን ብኦኦም ተደፊእና መኣዝና ክንቅየር የብልናን።
                ወስብሓት ለእግዚአብሔር
dmstiorthodox@gmail.com