Saturday 9 June 2012

መንግስቲ ኤረትራ በቲ ኣብ ኣውርጳ ተበጊሱ ዘሎ መንፈሳዊ ምዕባለታት ኣብ ኦርቶዶክስ ዓቢ ራዕዲ ስለዝኣተዎ ንምዕጋቱ ሓድሽ ንዕኡ ዘገልግል ኣቡን መዲቡ ከም ዘሎ ተገሊጹ!!::


መንግስቲ ኤረትራ በቲ ኣብ ኣውርጳ ተበጊሱ ዘሎ መንፈሳዊ ምዕባለታት ኣብ ኦርቶዶክስ ዓቢ ራዕዲ ስለዝኣተዎ  ንምዕጋቱ ሓድሽ ንዕኡ ዘገልግል ኣቡን መዲቡ ከም ዘሎ ተገሊጹ::
መንግስቲ ኤረትራ ነቲ ኣብ ኣውረጳ ተበጊሱ ኣብ ሓጺር እዋን ቅልጡፍ ምዕባለታት ብምርኣይ ዓቢ ስግኣት ሓዲሩዎ ከም ዘሎ ካብ ኣስመራ ዝመጸ ሓበረታ ኣብሪሁ ፡እቲ ብኣካል ዝመጸና መልእኽቲ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ዓቢ ስግኣት ሓዲሩዎ ከም ዘሎን ኣብ ኣውረጳ ካብቶም መሳርሒ ፖሎቲካ ዝኾኑ እቶም ሃይማኖት ወይ ሞት ዝብሉ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ቁጽሮም እንዳወሰኸ ብምኻዱን ህዝቢ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝግበር  ጸለመ ህዝቢ ስለ ዝፈለጦን ምቅባል ምስ ኣበዮን ሸቀልቀል ኣትዩዎም ከም ዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ
እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣቡን ከምቲ ዝደለይዎ ስለዘይሰርሕሉን ብውሽጦም ሕጉሳት ከምዘይኮኑ ምስ ረኣየን መሳርሒ ክገብሮም ኣብ ዝጓየየሉ ነበረ ግዜ ድማ ከምቲ ዝግባእ ክዋግእሉ ብዘይምኽኣሎምን  ዝነደረ መንግስቲ ንዕኦም ናብ ጋሽ ባርካ ብምቅያር ነቶም ኢትዮጵያዊ ኣቡነ ኣባ ማርቆስ ናብ ኣውረጳ ብ ኣመሓዳሪ ይፍታሀ ቀይሩዎ ኣሎ።ነቶም ሕልና ዘይብሎምን ብ ስም ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያንን ዘይመሓሉ፡ ዜይግነቶም ድማ ኤረትራዊ ዘይኮኑ ኣብ መንጎ ጳጳሳት ኤረትራ ን መንግስቲ ኤረትራ ከም ሰልያ ዘገልግሉን ኣቡነ ማርቆስ ተባህሉ ኣቡን እንግሊዛዊ ዝብል ዘይግነት ዘለዎም ህዝቢ ንምንዓብን ንምጽላእን ንምፍልላይን ኮነይ ኢሉ ከም ዝመደቦ ሓበረታ የረድእ።
ሉእኽ ክርስቶስ ምዃኖም ረሲዖም ልኡኽ መንግስቲ ኤረትራ ብምዃን ዝመረጹ ንክንደይ ካህናት ብ ሂወት ን መንግስቲ ክፍረዱ ዝተሓባበሩ ብ ሂወት ንጹሃት ዝሕተቱ ኣቡን እዮም። እዞም ቅንጣብ ሃይማኖታዊ ስነ ምግባር ዘይብሎም ኣቡን ምስዳዱ ምናልባሽ ነቲ ዘሎ ህልኽን ቅርሕንትን ህዝቢ ጽቡቅ ገይሩ ክጥቀመሎም  ከም ዝኽእል ተዓዘብቲ ይገልጹ።ኣቡነ ማርቆስ   ነቲ ብ መንግስተ ኤረትራ ተዋህቦም ዕዮ ገዛ ንምስራሕ ናብቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዘሎ ቤተ ክርስትያኖም ድሮ ኣትዮም ኣለዉ።ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝኣተዉሉ ግዜ ንኽብሮም ብ ኣምባሳድር ተስፋምካኤል ገራሕቱ ወዲ ገራህቱ  ልኡኽ መንግስተ ኤረትራ ኣብ ሎንደን ግብጃ ተገይሩሎም ኣሎ።እዚ ኣዝዩ ዘሕፍር ሽርኽነት ምስ ፖሎቲካ ኣባ ማርቆስ  ኮነይ ኢልካ ንህዝቢ ኤረትራን ቤተ ክርስትያኑን ንምድምሳስ ብ ፖሎቲከኛታት ኤረትራ ተገበረ ተንኮል ምኻኑ ተዓዘብቲ ይዛረቡ።ነቲ ዝረኸብናዮ ሓበረታን ናይ ቲ ምስ ፖሎቲከኛት ኮይኖም ዝገበሩዎ ግብጃን ድማ ምስ ጭብጥ ፎቶ ነቅሪበልኩም።
ስለዚ ኣብ ኣውረጳ እትርከቡ ኦርቶዶክሳውያን ነዞም ተወገዙን  ብ ረብሓ ንህዝቢ ፋሕ ከብልዎ መጺኦም ዘለዉ ኣቡን ተቃዉመኹም ከተስምዑ  ድማ ብጥብቂ ንጽውዕ።
       ድምጺ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ በተ ክርስትያን።
dmstiorthodox@gmail.com