Sunday 27 May 2012

ስልጣን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘ ኢትዮጵያ ኣቡነ ጳውሎስ ሓደጋ የንጻላልዎ ኣሎ!!::

       ስልጣን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘ ኢትዮጵያ ኣቡነ ጳውሎስ ሓደጋ የንጻላልዎ ኣሎ!!
ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስትያን  ሓንቲ ካብተን ጥንታውያን ኣብያተ ክርስትያናት  እያ።እዛ ጥንታዊት ቤተ ክርስትያን ግን  ብሰንኪ እቶም ሳንሱር ከይተገብሩ በየ ዓመቱ ዝጸሓፉ መጻሕፍቲ ኣብ መንጎ ሊቃውንትን ማህበረ ቅዱሳን ተባህለ ማህበርን ምፍጣጥ ካብ ዝካየድ ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። ማህበረ ቅዱሳን ንነፍሱ ከም ሓያልን እሙኑን ገይሩ ዘቅርብ ኣብ ኤረትራ ከይተረፈ ጽልዋ ዘለዎ ምስ መንግስቲ ኤረትራ ኮይኑ በቶም ኣብ ፐራዲሶ ኪዳነ ምሕረት ነበሩ ዲያቆናትን ኣባላት ትምህርቲ ሰንበትን ገይሩ ኣብ ምውራድን ምእሳርን ኣቡነ እንጠንዮስ ዝተሳተፈ፡ኣብ እንዳ ስላሴን ኣብ ቅድስቲ ማርያም ደብረጽዮን ኣስመራን መጽሓፍ ቅዱስ ክነድድ ኣብ ዝተገበረ  ብ መገዲ ኣባላቱ ምስ ኣባላት  ጸጥታ ኤረትራ ብምስማር ህዝቢ ብምውዳብ  ዕንወት ዘካየደ ማህበር ምኻኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ማህበረ ቅዱሳን ሽሙ ደኣ  ማህበረ ቅዱሳን ተባሂሉ እንበር እንተ ስርሑስ ኣይናይ ቅዱሳንን።እንሆ ድማ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ንገለ ጳጳሳት ከም እኒ ኣቡነ ሳሙኤል ዝበሃሉ ኣቡናት ብረብሓን  ብምሓዝ ን ቤተ ክርስትያን ኣብ ክልተ ክመቅላ ይጽዕር።ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ብዘይ ፍቃድን መሪሕነትን ፓትሪያርክ ኣቡነ ጳውሎስ ውዕሎ ብምግባር ክሱሳት ኣብዘይ ብሉ ብዘይ ሕግን ስርዓትን ቤተ ክርስትያን፡ ንገለ መነኮሳት ዘለዉዎም ካብ ቤተ ክርስትያን ክባረሩን ክህነቶም ክትሕዝን ትእዛዝ ሂቡ ኣሎ።ፓትሪያርክ ዘይብሉ ውሳነ ግን ከመይ እዩ።ደሓር ከ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስትያን ሕቶ ክትምልስ ተዘይከኣለት ን ካህናት ተውግዞም ድያ፡ስለምንታይ ከ ከምቲ ቤተ ክርስትያን ቅድመ ህጂ ን ኣርዮስ ኣቅሪባን ረቲዓን ድሕሪ ብዙሕ ምኽሪ እምብለይ ኢሉ ምስ ኣበየ ረቲዓ ዘውገዘቶ ረቲዓ ከተውግዞም ዘይከኣለት ከሳስን ተኸሳስን ዘይብሉ ኸ ውሳነ ይወሃብ ድዩ፡ገለ ካብቶም ተከሲሶም ዘለዉ እውን ብኣካል ክቀርቡን ክሕተቱን ከም ዝሓተቱን ታ ዝቀረበት ኮሚተ ግን ከም ዝሓንገደትን ምንጭታት የብርሁ። ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ ድማ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ሓቂ ብምስኣኑን ርእሰ ተኣማንነት ስለ ዘጥፈአን ነቲ ክርክር እቶም ክሱሳት ብ ቪዶ ካመራ ብምቅዳሕ ኣብ ኣሕዋት ኣብያተ ክርስትያናት መታን ከይኸሱ እዩ ከምዚ ተገይሩ ይብሉ ተዓዘብቲ።

ማህበረ ቅዱሳን ነቶም ብትምህርቶምን ብሊቅነቶምን ዝፍለጡ  ኣቡነ ጳውሎስ መናፍቅ ክብል ይኸስስ፡ ማህበረ  ቅዱሳን ኣቡነ ጳውሎስ ክወርዱ ኣለዎም ብምባል ብ ኢፋ ይዛረብ ኣሎ። ኢትዮጵያ ካብ ግዜ ሃጸይ ዘርኣ ያዕቆብ ክሳዕ ህጂ ኣብ ብዙሓት መነኮሳት ብዙሕ በደልን ክፋእን ተንኮልን ከም ዝገበረት ስለ ዘቃልዑ እዮም፡ ድማ እያ ነዞም ኣስታት (7 )ሸውዓተ ዝኾኑ ኣገልገልቲ ስጉምቲ ተወሲድዎም ዘሎ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስትያን ኣብ ግዜ ሃጸይ ዘርዓ ያዕቆብ ዝገበረቶ ተንኮል ኣብ ዝመጻእ ከነቃልዖ ምኻና ንሕብር፡ብ ተወሳኺ እውን ነዚ ዘለኩም  ተወሳኺ ክትልእኩልና ንሕብር። ስጉምቲ ተወሲዱዎም ዘሎ ወገናት።ብ ተወሳኺ እዞም ኣገልገልቲ ነቲ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ዓልያቶ ዝብልዎ ኣዝዩ ዘደንቅን ሰሚዕናዮ ዘይንፈልጥን ተዓቢጡ ዝነብር ነበረ ኣዝዩ ዘይክርስትያናዊ ስነ ምግባር ክቅወሙ እውን ብምጅማሮም  ሲኖዶስ ኢትዮጵያ እዚ ን ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣፍራስ እዩ ይብል።ኣብ  መደምደምታ ናይቲ መግለጺ ሲኖዶስ  ዘውጽኦ ስምዑ፡ ደጀ ሰላም ዝብል ብሎግ ማህበረ ቅዱሳን ኣውጺእዎ ኣሎ። እዞም  ገለ ዉሉደ ክህነት ዘለዉዎም ድማ ነዚ ብምዝራቦም ክንዲ ገይጋ ተልይዎም ምርዳእ ፡ ብ ማህበረ ቅዱሳን ተኸሲሶም።በየ በትኡ ሽሞም ጸለሎ እንዳ ተቀብአ ይርከብ።

ብዙሓት ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስትያን ድኽመታታ ገምጊማ ዳግማይ ውዳበ ብምግባር ን ኣብ መንጎ ኣገልገልታን ጳጳሳትን ብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዝኾነ ኣገባብ ክትፈትሖ ተዘይ ኪኢላ ፡ከምቲ ኣብ ግዜ ዘርዓ ያዕቆብ ዝገበረቶ ብሓይሊ ንነገራት ክትኣልዮም ተጀሚራ፡ ዘሎ ዶሞክራሲ ናይታ ሃገር ን ብሓይሊ ዝንቃሳቀሱ ቦታ ስለ ዘይብሉ ናብ ተፋላለዩ ግጅለታት ክትመቃቀል ከም ትኽእል ተዓዘብቲ ይዛረቡ ኣለዉ።እንተ ማሕበረ ቅዱሳን ግን ኣቡነ ጳውሎስ ከይወረዱ ኣይዳነን እዩ ዝብል ዘሎ፡ንኹሉ ንምርኣይ ግን ምቅናይ።
                              ወስብሐት ለእግዚኣብሔር!
dmstiorthodox@gmail.com

Thursday 24 May 2012

መዓልቲ ዕንወትን ጥልመትን!

                                          መዓልቲ ዕንወትን ጥልመትን! ዕለት 11 ሓምለ 1997 ዓ.ም ግእዝ (18 ሓምለ 2005 ኣ.ፈ) ኣብ ታሪኽ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብፍሉይ ፈተና ትዝከር መዓልቲ እያ። ቁሩብ ዓመታት ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንተ ዘኪርና እቲ በዛ መዓልቲ
እዚኣ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝተፈጸመ ከቢድ ጥልመት ግህሰት ሕግን ብሓቂ ዘስደምምን ንኽትኣምኖ ዘጸግም ኮይኑ ትረኽቦ። ምኽንያቱ ሰንበት 10 ሓምለ 1997 ዓ.ም ግእዝ ብሓባር ቀዲስካ፥ መኣዲ እግዚኣብሔር ተሳቲፍካ፥ 2ተ ጳጳሳት ክትቀብእ ውዒልካ፥ ንጽባሒቱ ብኢድ መሣርሕትኻ ጳጳሳት ናይ ክሲ ወረቐት ኣብ ኢካ ክወሃበካ ብጣዕሚ ዘገርም ነገር እዩ። ኣቦታት ከም ዝምስልዎ “ልቢ ብጻይካስ ከምዚ ናትካ እንተ ዝኾነልካ ክንደይ ምጠዓመ” ዝበሃል “ልቢ ኣቦታት ጳጳሳት ከምቲ ልቢ መራሒኦም ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ እንተ ዝሓስብን ኣርሒቆም እንተ ዝጥምቱን ኔሮም ክንደይ ሠናይን ጥዑምን ምኾነ” ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንናውን ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘላቶ ከቢድ ፈተናን ኵነታትን ኣይምበጽሐትን ኔራ።
እወ! ብ2005 ኣ.ፈ ኣብ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ክትሰምዖ ዘሕዝን ንኽትፈትሖ ከኣ ዘጸግም ከቢድ ምጥሓስ መንፈሳዊ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ተፈጺሙ እዩ። እቲ ዝተፈጸመ ህዉኽ ናይ ዓመጽ ስጉምቲ ከኣ ን3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ “ኣብ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ዕንቅፋት ስለ ዝኾንኩም፥ ካብ 11 ሓምለ 1997 ግእዝ (18ሓምለ 2005 ኣ.ፈ) ጀሚሩ ካብ ዝኾነ ይኹን ንጥፈታት ምሕደራ ቤተ ክርስቲያን ክትግለሉ ቅዱስ ሲኖዶስ ብውሳኔኡ የፍልጥ” ይብል። ዘገርም እዩ! ንሕጋዊ ፓትርያርክ ካብ መንፈሳዊ ምምሕዳር ኣሊኻ፥ ንጭዋ ኣቶ ዮፍታሄ ዋና ኣማሓዳሪ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ክትብል ንሰማዒኡ ዘሕዝን፥ ጥልመትን ተንኮልን ዘለዎ ዘይክርስቲያንዊ ውሳኔ ምዃኑ ዘስተውዕል ልቢ ዘለዎ ሰብ ዝሰማማዓሉ ጉዳይ እዩ።
ቀጺሉውን ብዕለት 5 ጥሪ 1998 ዓ.ም ግእዝ (13 ጥሪ 2006 ኣ.ፈ) ናብ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ “ካብ ማዕርግ ፓትርያርክ ወሪድኩም ኣሎኹም” ዝብል ናይ ዓመጽ ደብዳቤ ተላእከሎም። ብድፍረት ድማ ቤት ጽሕፈቶም ተዓሺጉ፡ ካብ ቅዱስ መንበሮም ተኸልኪሎም፥ ብተወሳኺውን ብክለተ ካህናትን 3ተ ወተሃደራትን ልብሲ ማዕርጎም ከም ዝቕንጠጡን ቅዱስ ንብረቶምን ከም ዝዝመቱን ተገብረ። ከምኡውን ካብ ዝነብርሉ ዝነበሩ ቦታ ብምግዓዝ ምስ ዝኾነ ሰብ ከይራኸቡ፥ ብሓፈሻ ገዳሞም ከይከዱ፥ ቤተ ክርስቲያን ከይሳለሙ፥ ምስ ቤተ ሰቦምን ደለይቶምን ከይዛረቡ ብጽኑዕ ክሕየሩ ተወሰነ። ኩልና ከም ንፈልጦ ዝኾነ ኣካል ኣብ መንፈሳዊ ይኹን ሥጋዊ ጉዕዞ ኃይሊ ዝጥቀምን ንሕጊ ዝሕሰምን እንተ ደኣ ኮይኑ ሓቂ ዘይሓዘን ሰላም ዘይደልን ጥራይ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
እዝከረኒ ኣብቲ ቅንያት ናይ ሓምለ 2005 ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ንዅልና ሠራሕተኛታትን ውሉደ ክህነትን እቲ ፍጻመ ብጣዕሚ ስለ ዘሕዘነና ዝተፈላለየ ሓሳባትን ከምዚ እንተ ዝግበር ዝብል ምኽርታት ንዘራረብ ነበርና። ገለ ሰባት ከኣ እንታይ ገደሰና ባዕላቶም ጳጳሳት ዘፍርስዎ ዘሎዉ ሕጊ ደኣ እንታይ ሱቕ ዘይንብል ይብሉ ነበሩ። ገሊኦም ድማ እቲ ሕማቕ ኩነታት ብግቡእ ስለ ዝተረድኦም ናብ ኣምላኽ ይጽልዩን ይምህለሉን ነበሩ። ብድሕሪ እዚ ብዕለት 19 ሓምለ 1997 ዓ.ም ግእዝ፡ ብኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ንኹልና ሓለፍቲ ክፍልታት ቤት ጽሕፈትን ኩሎም ሠራሕተኛታት መንበረ ፓትርያርክን ኣብ መኣከቢ ኣዳራሽ ክንርከብ ትእዛዝ ተመሓላለፈልና ። ሰዓት ምስ ኣኸለ ኣቶ ዮፍታሄ ምስ ኣባ ሽኖዳን ቀሺ ሃብቶም ርእሶምን ናብ መኣከቢ ኣዳራሽ መጺኦም ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሠራሕተኛ መንበረ ፓትርያርክ ኮፍ በሉ። ብድሕሪ እዚ “ዘመኑ ዝሃቦ” ከም ዝበሃል በዓል ግዜ ኣቶ ዮፍታሄ “ሎሚ ኣብዚ ተኣኪብናሉ ዘሎና ቀንዲ ምኽንያት፥ “ነቲ ኣብ ደገ ሰላም ይኩን ኣብ ካልእ ቦታታት ቡንን ስዋን እናሰተኹም “መንግሥቲ ንኣቦና እንጦንዮስ ኣውሪድዎም” “ዮፍታሄ ንፓትርያርክ ሥልጣኖም የሕዲግዎም” ወዘተ ….. እናበልኩም ተዕልልዎ ከንቱ ዘረባ ተረዲእና እቲ ሓቅን ውሳኔ ናይ ቅዱስ ሲኖዶስን ሕጂ ከነፍልጠኩም ኢና፥ ብድሕሪ እዚ መብርሂ ግና ኣፍኩም ዝሃበኩም እንተ ደኣ ተዛሪብኩም ኣብ ልዕሌኹም ዝውሰድ ስጉምቲ ከም ዘሎ ክገልጸልኩም ይደሊ” ኢሉ ኮፍ በለ።
ብድሕሪ እዚ ንቀሺ ሃብቶም ርእሶም ዝበሃል ቀንዲ ኣማኻሪኡን ተሓጋጋዚኡን ዝኾነ ምዱብ ሥርሑ ግና ፍሉይ ጸሓፊ ቅዱስ ፓትርያርክ ተባሂሉ ዝፍለጥ፥ ነቲ ውሳኔ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝበሎ 2 ገጽ ዝሓዘ ክሲ (ክልቲኦም ዘዳለዉዎ ናይ ክስታት) ጽሑፍ ከንብበልና ሓበሮ። ቀሺ ሃብቶም ርእሶም ድማ ነተን ድሮ ኣቐዲምና ሰሚዕናየን ዝነበርና 6ተ ክስታት ናይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ በብሓደ ዘርዚሩ ኣንበበልና። ካብቲ ብሓቂ ዘሕዝን ነገር ከኣ ወላኳ እቲ ተኣኪብናሉ ዝነበርና ቦታ ኣብ ኣሥመራ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተባሂሉ ዝፍለጥ መንፈሳዊ ሥፍራ እንተ ነበረ፥ ልክዕ ከም ኣብ ከቢድ ወተሃደራዊ መዓስከር ወይ ከኣ ኣብ ዘይንፈልጦ ምድሪ ጓና (ቤት ማእሰርቲ) ከም ዝተኣከብና ብውሽጥና ከቢድ ሓዘንን ተስፋ ምቑራጽን ተሰሚዑና ብዘይ ወላ ሓደ ሕቶ ወይ ርኢቶ እቲ ኣኼባ ብጓሂ ተዛዘመ።
ብድሕሪ እዚ ቅንያት እዚ ኣቶ ዮፍታሄን ኣማኸርቱን ነቶም ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም ዝበሃሉ ለባማትን በላሕትን ውሉደ-ክህነት ደቂ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ገሊኦም ካብ ምዱብ ሥርሖም ክባረሩ፥ ገሊኦም ክእሰሩ፥ ገሊኦም ክድስክሉ፥ ገሊኦም ከኣ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ከይረግጹ ክኽልከሉ ንገለውን ብሜላ ከፈራርሕዎም ሥርሓይ ኢሎም ተተሓሓዝዎ። እቲ ሽዑ  ብምውራድ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን ዝጀመረ ዕግርግርን  ዕንወትን ከኣ ነዚ ንህላዌ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ከቢድ ፈተና ዘእተወ ፈተናን ስደትን ኣኸቲሉ፥ ብዓቢኡ ከኣ ሎሚ ኩላትና በብዘሎናዮ ንፍደዮ ዘሎና መርገምን ሕንፍሽፍሽን ወሪዱና ንርእዮ ኣሎና።
እምበኣር እቲ ጥንታዊ ሕግን ቀኖናን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ክፈርስ ከሎ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ንከሰስቶም ጳጳሳት ዝበልዎ “ኣነ ብሕድሪ ዝተቀበልክዋ ሓላፍነት ሃይማኖት ንሓደ ጭዋ ሰብ ኣሕሊፈ ኣይህብን” ንስኻትኩም ግና ነዚ ሕጂ ትግበርዎ ዘሎኹም ብመንፈሳዊ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚ ሰብን እግዚኣብሔር ተሓተቲ ኢኹም ብምባል ኣብቲ መገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ እየ ዝበለ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕይወቶም ኣማዕቆቡ። ነቲ ዝቐረበሎም ናይ ዓመጽ ክሲ ድማ ንዘመናት ተኸቢሩ ዝጸንሐ መንፈሳዊ ሕግን ቀኖናን ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ተታሊልኩም ተፍርስዎ ስለ ዘሎኹም “ሕጊ እንተ ረጊጽካዮ ተመሊሱ እዩ ዝረግጸካ” ብዝብል ኃይለ ቃል መልእኽቶም ደምደሙ።
እታ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብደሙ ዝመሥረታ፥ ሓዋርያት ዝተኸልዋ፥ ሰማዕታትን ቅዱሳንን ዘስፍሕዋ፥ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን “ደገታት ሲኦልውን ኣይክሕይልዋን እዮም”ዝብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ በዚ እዋናዊ ፈተና ፍጹም ኣይክትጠፍእን እያ። ግናኸ ከምቲ ሓዋርያ ያዕቆብ “ኃጢኣት ትጠንሱ ሞት ትወልዱ” ዝበሎ ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ስለ ዝዓጽድ፥ እቶም ገበርቲ ክፉእ ድማ ሥጋዊ ይኹን ሕልናዊ ዕረፍቲ ስኢኖም ብእህህታ ክነብሩ ንዕዘቦም ኣሎና። ኣምላኽ ካብ ከምዚ ዝበለ ዑረት ልቢ ይሰውረና።
ኣብ መደምደምታ “ሕማቕ መዓልትስ መተዓዛዘቢት” ከም ዝበሃል ነታ መዓልቲ ክስን ወቕስን፥ እታ መዓልቲ ሓሶት ጥልመትን፥ እታ መዓልቲ በደልን ዓመጽን ክንዝክራ ግቡእ እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ “እቲ ዕርፊ ሒዙ ንድሕሪት ዝጥምት ንዓይ ኣይበቅዕን እዩ” ኢሉ ከም ዘጠንቀቐና ካብ ፍቓድ ሰብ ፍቓድ ኣምላኽ፥ ካብ ኣብ ኢድ ሰብ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ምውዳቕ ይሓይሽ፥ ካብ ንሰብ ድማ ንእግዚኣብሔር ምግልጋል ዝበለጸ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። እምበኣር “እቲ ገፋዒ ይግፋዕ፥ እቲ ርኹስ ይርከስ፥ እቲ ጻድቕ ጽድቂ ይግበር፥ እቲ ቕዱስ ይቀደስ” ዝብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ ሠናይ ክንገብር ኽቡር ሓሳብ ክንሓስብን ኣብ ክቡር ነገር ክንጸንዕን ኣምላኽ ብጸጋኡ ይደግፈና።
ልዑል እግዚኣብሔር ብምሕረቱ ይተዓረቐና!
ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም 
ቀሲስ ሓለፎም ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ሓላፊ ቤት መዝገብ ኮይኖም ንሓያሎ ዓመታት ዘገልገሉ ካህን እዮም። frhttp://tewahdo.org/index.php?option=com_content&view=article&id=940:2011-07-20-01-31-04&catid=65:2008-08-24-03-13-51&Itemid=111
dmstiorthodo@gmail.com

Tuesday 22 May 2012

መክብብ 10:4:መንፈስ ገዛኢ ኣብ ልዕሌኻ እንተ ተላዕለ ትዕግስቲ ንዓብዩ ኣበሳ ተህድእ እያ እሞ፡ ስፍራኻ ኣይትሕደግ።


መክብብ 10:4:መንፈስ ገዛኢ ኣብ ልዕሌኻ እንተ ተላዕለ ትዕግስቲ ንዓብዩ ኣበሳ ተህድእ እያ እሞ፡ ስፍራኻ ኣይትሕደግ።
ነዛ ጥቅሲ እዚኣ ብዙሓት ሰባት ኢና እንፈልጣ ንብል ግን ትዘሕዝን ኣይንፈልጣን ተንፈልጣስ ምገበርናያ ነርና። ቃል ኣምላኽ ቅዱስ መጽሓፍ ብዙሕ ግዜ እዩ ደጋጊሙ ደጊሙ ብዛዕባ ትዕግስቲ ተዛሪቡ።እንተኾነ ሰኣን ትዕግስቲ ምስግባር ዝጠፍእ ዘሎ ሂወትን ዝፍጠር ዘሎ ዕግርግርን ዝመጽእ ጽልእን ቅርሕንትን መወዳእታ የብሉን፡ኣብ መንፈሳዊ ሂወት እውን ነዛ ቃል እዚኣ ሰኣን  ምፍጻም ክንደይ ኢና ናይ እምነት ቦታና መሐለዊና ሓዲግና ፈቀድኡ ሸንኮለል ንብል ዘለና።
ከም ኣብነት ኣብ ኤረትራ ትምህርቲ ሰንበት ካብ ዝዝጅመር  ዳርጋ 50 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ተኾነ እዞም ኩሎም በዚ ትምህርቲ እዚ ዝሓለፉ ነዛ ቅድስቲ ጽሕፍቲ ከየስተውዓሉዋ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂፎም ምንባሮም እዩ።ትምህርቲ ሰንበት ነይሩ ፡ከመይ ነይሩ ታሪኹ ብዙሕ እዩ፡እንታይ ዓይነት ድኽመታት ነሩዎ ክንብል እውን ከይነውሓና ፡ሰኣን ካህናት ሰኣን ጳጳሳት መንእሰያት ጠፊኦም እዮም።መንእሰያት ዳርጋ ጫፍ መጽሓፍ ቅዱስ እንበር መጽሓፍ ቅዱስ ሲ ኣይፈልጥዋን እዮም ነሮም።
እቲ ድኽመት ካብ መሪሕነት ኦሮቶዶክስ ተዋህዶ እኳ ነይሩ ተኾነ ካብ እቶም መንእሰያት እውን ሰፍ ዘይብል ድኽመት ነሩ እዩ። ዝመጸ ይምጻእ ፈተና ኣብ መሐለዊኦም ክጸንሑ ነሩዎም።ምኽንያቱ ቃል ቅዱስ መጽሓፍና ስፍራኻ ኣይትሕደግ እዩ ዝብል ዘገርም ግን ናይቶም ካብ ስፍራኦም ዝወደቁ ከዋኽብቲ ቅድሚ 9 ዓመት ኣብ ቀጽሪ በተ ክርስትያን ነበሩ ትምህርቲ ሰንበት እዩ።ነበር ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበት ፍኖተ ብርሃን ቅድስቲ ማርያም፡  እንዳ ሥላሴን፡ ወዘተረፈ,,,,,,,,,,, ብዙሓት ነበሩ መንእሰያት እዩ።ክንሓስቦ ከለና ዋእ የድንቀና እዩ።መጽሓፍ ቅዱስ ኣይፈልጡን ከይትብሎም ኣለዎም፡ግን ኣብቲ ምግባሩ ጸጊሙዎም።
ንሱ ድማ ካብዞም ኣብዘን ዝጠቀስናየን ኣብያተ ክርስትያናት ዝነበሩ ንሕና ኦርቶዶክስ ኢና ኢሎም እዮም ጥርዓን ኣቅሪቦም ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ይኹን ናብ መንበረ ፓትርያርክ ፡ ክሳዕ መዝሙር ከም ዘሕተሙ እውን ብሽም ኦርቶዶክስ ሪኢና። ብሽም እዛ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ።እሞኸ እቲ መልሲ መጺእዎም ድዩ ወይሲ ከምቲ ነቦና ኣብርሃም ዝበሉ እዩ ተፈለዩ ኢልዎም።ክትፍለ ኣምላኽ ክብለካ ኣለዎ።እቲ መልስስ ኣይተዋህቦምን እኳ ደኣ ዝካትዕሎም ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ምንባሮም ንሶም እውን ዝፈልጡዎ እዩ።ዳሕራይ ድማ ሓደ እውን ሕቶ ዝኾነካ ኣሎ ከመይ ኢሉ እዩ ናይ ዓመታት ጉዕዘኦም ብ ሓደ ግዜ እሞ ብሓንቲ ናይ ኢትዮጵያ ማሕበር ሃደሽደሽ ኢሉ ዝፈረሰ ፡እዚ እውን ሕቶ እዩ?፡ ዝምልሶ ህጂ የለን።
ናይ ብሓቂ ዕላማ ዕዮ ወንጌል ኣብ ተዋህዶ ተኾይኑ ነሩዎም ግን ስለምንታይ እዮም ነቲ ዝሓተትዎ ሕቶ ዘይተጸበዩ፡ነቲ ዝሓተቱዎ ሕቶ እቶም ተጻረርቲ ወንጌል ዝበልዎም ከይመለስሎም ከለዉ ግን ባዕሎም መሊሶሞ፡ከይዶም። ከምቲ ገዘኻ ኺድ ኢልካ ከየፋነኻዮ ዝኸይድ ተመሃራይ ምኻዶም ከኣ ዋእ  ነታ ምህዳእ ትብል ጥቅሲ ክትግብሩዋ ስለ ዘይደለዩ ዶኾን ይኾኑ የብለካ።ኣብ ህድኣት ብዙሕ መኽሰብ እዩ ዘሎ፡ኣብ ምህዳእ ጣዕሳ የለን፡ኣብ ምህዳእ ብዙሕ ሓጎስ ኣሎ፡ኣብ ምህዳእ መከራ ኣሎ፡ካብቲ ውሽጢ መካራ ሓሊፍካ ኸኣ ዓወት ኣሎ። ኣብ ራእ የሓንስ ራእይ ዮሐንስ 2:3:ትዕግስቲ ኸኣ አሎካ፡ ስለ ስመይ ኢልካውን ተጻወርካ፡ ኣይሰልኬኻን። ደኣ እዩ ዝበለ እንበር መገዲኻ ቀይርስ ኣይበለን።ስለዝስ ትማሊ ምስ ትጸርፎም ነበርካ ብቋንቋታት ይጽልዩ ኢልካ ሕብረታት ኣብ ሕብረታቶም ኣቲኻ መዳመቂ ክትከውን ናይ ብሓቂ ንልቢ ዘለዎስ ብ መንፈስ ዘየቅስ እዩ።

ዘገርም ነገር ኮይኑ ዘሎ ሎሚ ቁሩብ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጥ ተቢልካ ጥቅሲ ተጣራቂምካ ሓንቲ ክትግበር ዘለዋ ቁሩብ ንዓኻ ዝመስሉኻ ሒዝካ ሽም ምርጽ ኣቢልካ በተ ጾሎት ምውጻእ እዩ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ፡እዝስ መንፈሳውነት ድዩ፡ዋላስ እንታይ??፡ኣምላኽ ብሕብረት ደኣ ይሕጎስ እንበር ብምፍሊላይሲ ኣበይ እዩ ተሓጎሰ፡ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ክሳዕ1ይ ዮሐንስ 4:2:ንመንፈስ ኣምላኽ በዚ ኢኹም እትፈልጥዎ፡ የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዚእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ካብ ኣምላኽ እዩ፡ ከም ዝበሎ ሓንቲ በተ ክርስትያን ከምዚ ክሳዕ ዝኣመነት ክንፍለያ የብልናን።
ናይዚ ዝሓለፈ ከምዚ ኢሉ ሕርኽራክ ዘለዎ ታሪኽ ዘለዎ ኮይኑ ሓሊፉ ኣሎ።ማይ ብሖቅ ፕሮቲስታንት ዝጠዐመ ክምለስ ከኣ ንግዝየ ንህቦ ፡ናይዞም ናይ ህጂ ዘሎና ኸ ከመይ እዩ ክኸውን ዘለዎ ተልና፡ህጂ እውን ፈተና ክመጽእ እዩ።ፈተና ይመጽእ ኣሎ።ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይብሉ ኣገልግሎት ጥራሕ እዩ ፈታን መከራን ዘየለ እንበር ነገረ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን እቲ ሓቂ ን ኢየሱስ ክርስቶስ መድኃኒ ዓለማት ዝሰብኽ ወፍሪ መንግስተ ሰማይ ስለ ዝኾነ ፈተና ክህሉ እዩ።ሞት እውን ኣሎ።
ፈተና ተጸሊእካ ናብቶም ተሓምበለ ክብሉ ዝውዕሉ ጥራሕ ክትከይድ ኣለካ፡ኣብ ናይ ኦርቶዶክስ ኣገልግሎት ግን ኩሉ ግዜ ኢኻ ትኸፍል ከይከፈልካ ኣይትሓልፍን ስለምንታይ ናይ ሃወርያት ኣገልግሎት ስለ ዝኾነ።ኦርቶዶክስ  በተ ክርስትያን ኣብ ምሉእ ናይ ኣገልግሎት ዘበን ሂወት ኣገልገልታ ብመስዋእቲ ዝተሰነየ እዩ ነበረን ዘሎን፡ኣብዚ ቀረባ እዋን እኳ እንሀዉ ብጹእ ወቅዱስ ፓትሪያርካ ብዓቢኦም ኣብ ከቢድ ፈተናን መከራን ኣለዉ ።ወንጌል ሉቃስ 17:37:መሊሶም ከኣ፥ ጐይታይ፡ ኣበይከ እዩ፧ በልዎ። ንሱውን፥ ኣብቲ ገምቢ ዘልዎ፡ ኣሞራታት ናብኡ ኺእከቡ እዮም፡ በሎም።
 ፈተና ዘይብሉ ሂወት ኣይኮነን።ፈተና ዘይብሉ ክርስትና ኣይኮነን።ሰጣን እውን ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓቂ ዝስበከሉ እዩ፡ክፍትን ዝመጽእ።ነቲ ፈተና ፈቲኑ ምዃን ምስ ኣበዮ ድማ ስደትን፡ መከራን፡ሂኮትን የምጽእ።ስለ ወንጌል ክብል ዝጠፍአ ሂወት ኦርቶዶክሳዊ ኣብ ዓልም ብቁጽሪ መዳረግቲ የብሉን።ሎሚ ነዚ ተሓዋወሰ ሂወት ናይ ገለ ኣገልገልቲ ሪኢኻ ን ኦርቶዶክሳውነት ከምዝን ከምትን ምባል ግን ንባሃሊኡ ምምላሱ የካእሉ።ስለዝስ ልዕሊ ሰማእታትና ን ወንጌል ሂወቱ ዝሃበ የለን እሞ ድሕሪ ደጊም ሓደ እኳ ላሕ ኣየብለና።
እወ ህጂ እውን ኦርቶዶክሳዊ መገዲ ክሳዕ ዘይተሓዋወሰ ክሳዕ እቲ ጽሩይ ወርቂ ኣብቲ ውሽጢ ክሳዕ ዘሎ፡ነቲ ጽሩይ ከም እኒ ቅዱስ ኣትናቴዎስን ቀርሎስን ያዕቆብ የውሐንስ ኣፈወርቅን ብሓፈሻ ድማ ቅዱሳን ሃወርያት  ዝሰርሕዎ ብ መንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ክሳዕ ዝተማህረን ዘይተገድፈን ፈተና ክህሉ እዩ፡ግን ከምዞም ሰኣን ትዕግስቲ ሰኣን ን ኣምላኽ ምጽባይ ናይ ኣምልኾ ቦትኦም ሓዲጎም ፈቀዱኡ ሸንኮለል ዝብሉ ዘለዉ ኣሕዋትና ከይንኸውን ንጠንቀቅ፡ክንደይ ግዜ ዝጸልይዎ ጸሎት ክምልሰሎም ደልዩ ኣምላኽ መጺኡ ከም ልማዱ ንሶም ግን ኣብ ቦትኦም ኣይጸንሑን ኣምላኽና ግን ኣሎ።ከምቲ እግዚኣብሐር ኣምላኽና ን ኣዳም ከዕልሎ ዝመጸ እሞ ዘይረኸቦ ኮይኑ ኣምላኽ ኣብቲ ዘቀመጠካ ክስእነካ ከሎ ሸንኮለል ኢኻ ትብል።
ንሕና እዞም ኣብኣ ኣብ ጽላላ ዘለና ግን ኩሉ ግዜ ንዝፍጠሩ ፈተናታት ብትዕግስቲ ክንሓልፎም ብንብዓት ናብ ኣምላኽና ክንቀርብ ይግብኣና ፡ ኮሪና ክንከይድ ወይ ተሓጊስና ክንምለስ ኣይብልናን።ክርስትና ኮሪኻ ትገድፎ ናይ ኣገልግሎት ጉዕዞ ኣይኮነን።ስለዚ ካብዞም ኮርዮም ከይዶም ዘለዉ ኣሕዋትና ክንጥንቀቅ ኣሎና።ተዋህዶ ን ኢየሱስ ክርስቶስ ትሰብኮ ኣላዶ የላን ንዝብል ድማ ዞም ኩሎም ተዘርጊሖም ዘለዉ መጻሕፍቲ ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ይመስክሩ፡ን የዒንቶም የንዊሐን ኣይጠመታን ብ ሓዊ ዝኾነ መከራ ሓሊፎም ክንሶም ነቲ ኣኽሊል ከይወሰዱዎ ተኸሲፎም።እቶም ራኢ ዘለዎም ግን ህጂ እውን ብ መከራ ይሓልፉ ኣለዉ።ገለ እንዳ ተጸረፈት ገለ እንዳ ተሓመየት ገለ እንዳ ተኣሰረት ገለ መከራ እንዳኣሕለፈት፡መጋበ ምስጢርን፡መምህር ዓንደብርሃንን  ከም እኒ መሪጌታ ይትባረክን ቀሺ ገብረመድህን ገብረገርግሽን ወዘተ ካልኦት ,,ድማ ህያው ኣብነትና እዮም።
ትዕግስቲ ብጣዕሚ እዩ ዘድሊ ያዕቆብ 5:11:እንሆ፡ ነቶም እተዐገሱ ብጹኣን እዮም ንብሎም አሎና። ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕኩም አሎኹም፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብዙሕ ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን እዩ እሞ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ መወዳእታ ርኢኹምዎ ኣሎኹም። ስለዝ ክንዲ ሃይማኖት ይኸውን ብሓንሳእ ምውሳን እሞ ድማ ክሳዕ ክርስቶስ ኣምላክ ምኻኑ ንእትኣምን በተ ክርስትያን ሓዲግካያ ክትሽፍት ሰናይ ኣይኮነን።ስለዚ ነቶም ስፍርኦም ዝሓደጉ እግዚኣብሐር ዘፍጥረት 31:3:እግዚኣብሄር ከኣ ንያእቆብ ናብ ምድሪ ኣቦታትካን ናብ ዓሌትካን ተመለስ እሞ ምሳኻ ክኸውን እየ፡ በሎ።እግዚኣብሔር ዝብሎም ንዑ ናብ ዓለትኩምን ናብ ኣቦታትኩምን ተመለሱ እዩ።
ቃል እግዚኣብሔር ዕብራውያን 10:36:ፍቓድ ኣምላኽ እናገበርኩም፡ ነታ ተስፋ ምእንቲ ኽትረኽብዋስ፡ ትዕግስቲ የድልየኩም እዩ። ይብለና ስለዚ ትዕግስቲ ከድሊ እዩ፡ወሲኹ እውን ቃል ቅዱስ መጽሓፍና ሮሜ 5:3:ግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነን። ክርስትያን ብ መከራ ጥራሕ ክሕጎስ ኣለዎ።ክምካሕ ኣለዎ፡ሎሚ ንዝመጹና መከራታት ብእኦም ሓሊፍና ኣኽሊል ዓወት ንምጭባጥ ደኣ ክንጓየ ኣሎና እንበር ኣብቶም ማሕበላት ክንጥሕል ወይ እውን ብኦኦም ተደፊእና መኣዝና ክንቅየር የብልናን።
                ወስብሓት ለእግዚአብሔር
dmstiorthodox@gmail.com

Sunday 20 May 2012

Ten Years is too long

                                                            Ten Years is too long
On 17 May, what has sadly become the annual Protest Vigil at the Eritrean Embassy in Islington, London , appropriately took as its motto, “Ten Years is too long.” As on previous occasions the protesters took up their position on the pavement opposite the embassy. They represented a wide rank of Christian denominations as well as of several human rights groups (Christian Solidarity Worldwide, Release International, Release Eritrea, Church on Chains, Human Rights Concern Eritrea) who came together to pray for the persecuted Christians of Eritrea and their government. A large number of the banners portrayed His Holiness Abune Antonios, the imprisoned Patriarch of Eritrea. Abba Seraphim was joined by the Bishop of Southwark (The Right Rev’d Christopher Chessum), Father Yonas Tesheme (Sheffield) and Deacon Joannes Gebrehiwet (Manchester) with a number of other deacons representing the Eritrean Orthodox Diocese of Europe. Speakers and Prayers were led by Abba Seraphim, Andy Dipper (Release International), Dr. Berhane Ashmelesh (Release Eritrea), David Turner (Church in Chains), Elsa Chyrum (Human Rights Concern Eritrea), Selam Kidane (Release Eritrea), Dr. Khataza Gondwe (CSW). At the end of the vigil a letter, signed on behalf of the whole group by Abba Seraphim and Bishop Christopher, was delivered to the Ambassador. The two bishops and Dr. Berhane were kept waiting at the door and when the Metropolitan Police tried to find an Embassy official to whom they could deliver it, they were at first ignored and then rudely shouted at and told to go away. Eventually the police delivered the letter on their behalf.

Prayer Vigil was held outside the Eritrean Embassy in Islington, London,

             Prayer Vigil was held outside the Eritrean Embassy in Islington, London,
A Prayer Vigil was held outside the Eritrean Embassy in Islington, London, on 3 June 2010 to protest at the treatment of Christians in Eritrea. It was called to mark the eighth anniversary of the closure of minority churches in Eritrea, after which even main-stream churches, like the majority Eritrean Orthodox Church have suffered systematic persecution.
The vigil was organised through the collaboration of a number of groups, including Christian Solidarity Worldwide (CSW), Release Eritrea, Church in Chains, Release (voice of persecuted Christians), Open Doors (serving persecuted Christians Worldwide) and the British Orthodox Church. For an hour on a sunny afternoon in London, a committed group of concerned Christians stood on the pavement opposite the Eritrean Embassy – as cars and buses with intrigued spectators passed by – and prayed, read from the scriptures, sang spiritual songs and heard meditative addresses from those working with and for the suffering Christians in Eritrea, regardless of their religious affiliation. Unlike political demonstrations the tone was calm, reflective and prayerful and there was no hint of invective against the oppressors. Both the Eritrean President and the Ambassador in London were spoken of courteously and prayed for fervently. His Eminence Abba Seraphim spoke of his concerns about His Holiness Abune Antonios, the elderly Eritrean Orthodox Patriarch, who had refused to bow to pressure from the government when the persecuition began and because of his stand for truth and justice found himself deposed from office and placed under house arrest. His position of national importance and his unswerving integity made him a symbol of all who were suffering for their Christian faith. At the conclusion of the vigil Abba Seraphim, supported by The Right Rev’d Christopher Chessun, (Anglican) Bishop of Woolwich and Dr. Berhane Asmelash of Release Eritrea, called at the Embassy to deliver a letter addressed to the Ambassador expressing their concerns and asking for the release of prisoners of conscience.
Daniel Malyon (BOC Portsmouth), who was present at the vigil, writes:
Yesterday, in protest of the continuing persecution of our Christian brethren in Eritrea, a number of Human Rights groups and Church representatives attended a vigil outside the Eritrean embassy in London. It was great to see an event attended by such a variety of people from different cultures and Christian groups. We had people from the Eritrean Orthodox, the British Orthodox, the Anglican Church and independent Churches, all united in prayer and concern for the Christian community in Eritrea.
To have all these groups together representing a single cause is a rarity these days, but was certainly significant. Everyone was involved in the prayer and the speeches, rejoicing in the gifts we recieve through faith, and in the knowledge of our protection, and to show concern for those that are not given the opportunity to rejoice in their faith, for fear that it will cost them their lives.
The readings from Romans certainly set the tone for the vigil, reminding us that whatever we suffer for Christ in life will be repaid in joy after we die. We are reminded that though the Eritrean Christians suffer needlessly and for no real legal reason, they are the martyrs of the modern day, just as Justin Martyr, St Paul and other early Christians suffered for their faith. As Romans 8:18 says “For I reckon that the sufferings of this present time are not worthy to be compared with the glory which shall be revealed in us.”
There was much media coverage on the day from the respresented charity groups, and a lot of focus on Church representation, such as the support of an Anglican Bishop and HE Metropolitan Seraphim, as to know that the church establishments are supporting them is vital for the people of Eritrea of whom 90% belong to the Eritrean Orthodox Church, a sister Church of the British Orthodox. The Evangelical representatives also spoke of the need for more to be done by the world to prevent single party governments such as Eritrea from arresting political opponents or those that speak for the rights of the persecuted, as freedom of worship and conscience are vital in society.
The vigil continued with “praise songs” from the Evangelical Church representatives, as well as prayers for both those suffering in Eritrea, and for her government. Some may not understand why we would pray for the opressors of our Eritrean brothers and sisters, but if we do not pray for those who cause suffering, we are no better than they are, as we would be as uncaring as their actions. At 4pm, after the Charities had finished speaking of the Eritrean situation Abba Seraphim led a deputation to deliver a letter to the Embassy across the road. This was given to one of the staff of the Ambassador, informing him of the reaction of the British public, church organisations and Human Rights groups to the continued opression and imprisonment of Christians in Eritrea.
This event happens yearly in London, and though it has not ended the persecutions in Eritrea, I feel that it is a moral duty to continue to stand beside the people of Eritrea, and let them know that they are still in our prayers and thoughts, for if we lose hope, so wil they.
dmstiorthodox@gmail.com
http://britishorthodox.org/1080/eritrea-protest-vigil/

ስለ በተ ክርስትያና ድምጽና ነስምዕ::

                             ስለ በተ ክርስትያና ድምጽና ነስምዕ
ኦርቶደክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዝወርዳ ዘሎ በደልን ግፍዕን እዚ ኢልካ ዝግመት ኣይኮነን።ጸላእታን ንጥፍኣታ ዝሓልሙን ኪሳዕ ዝሕጎሱ ሰፍ ዘይብል በደል ይወርዳ ኣሎ ብፍላይ ድማ መንግስቲ ኤረትራ ዝገብሮ ዘሎ ኣብ ውሽጢ እታ ቤተ ክርስትያን ኣቲኻ ናይ ምሕማስ መደብ ጋና ኣየዕረፈን ኣሎ ክበሃል ይከኣል።ብሰንኪ ፖሎቲካዊ መሪሒነት ኤረትራ እንሆ መዓልታዊ ተኸታታሊ ዕንወት ይካየድ ኣሎ። በተ ክርስትያን ን ፖሎቲካ ተሸይጣ ዘሕዝን እዩ ነቶም ዓገብ ዝበሉ ኸኣ ዓገብ ስለ ዝበሉ ጥራሕ  ኣብ ፖሎቲካ ኣትዮም እንዳተባህለ ዝግበር ዘሎ ናይ ጸለመ መድረኽ ነታ በተ ክርስትያን ካብቲ ዘላቲ ሂወት ንኸይትወጽእ  ካልእ ዕንቅፋት ኮይኑ ዘሎ እዩ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤረትራ ዘሎ ሓይሊ ድማ እያ ናይ ኤረትራ ቤተ ክርስትያን ብዕሊ ደኣ ቆይማ ትበሃል እንበር እዚ ምያ ገይራ ኢልካ ክትዛረብ ዝድፈር ኣይኮነን።ዘርዝርካ ክትገልጾ ኣሕዲሩ ዘውዕል እዩ።ነቲ ኣንባቢ እውን መታን ከስልችዎስ  ናይ ዕንወት ዕንወት ይካየድ ኣሎ ደኣ ምባል ይሓይሽ።ካብቲ ዘሕዝን ድማ በተ ክርስትያን እቶም ኣሚና ዝሰደደቶም ጳጳሳት ጠሊሞማ ንሶምን ስልጣናን ኢሎም።ንሶምን ክብርናን ረብሓናን ኢሎም ታይ ይገበር።ካብቲ ገለ ጸገማትና ድማ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ በተ ክርስትያና ተሸይሙ ዝተላእከላ መራሒ ደኣ እያ ክትቅበል ክምጽወተላ ጸኒሑ እንበር።ባዕላ ክትመርጽ ዝነበራ ዕድልሲ ናይ ዕድል ድዩ ኣጋጣሚ ወይ እውን ኣምላኽ ብጽሕዎ ኢሉና ባዕልኻ ናይ ምምራጽ ዕድል ተነፊጉዋ እዩ ጸኒሑ።

ናብቲ ሰፊሕ ከይኣተና ድማ ነቲ  ካብ 96 ዓመተ ምሕረት ኣትሒዙ ዝተፈጸመ በደል እንሆ ናብ ዝኸፍአ ኣንፈቱ ኣምሪሑ እቲ ኣምሳል ክርስቶስ ኮይኑ ን ጳጳሳትን ውሉደ ክህነት ክጓሲ ዝግብኦ ኣቦ በተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ቀደማዊ እንጠንዮስ ክሳዕ ህጂ ኣብ ማሕዩር 6 ዓመት ገይሩ እንሆለ።ስለምንታይ ግን እቲ ኣማኒ ተዋህዶ እየ ዝብል ህዝቢ ኤረትራ ነቡኡ ኣሕሊፉ ሂቡ ይነብር ኣሎ።ስለምንታይ ድምጹ ዘየስምዕ፡ግብጻውያን ነቲ ኣብ በተ ክርስትያኖም ተገብረ በደል ክሳዕ ጳጳሳት ከይተረፈ ዘለዉዎም ኣብ ጽርግያታ ወጺኦም ከም ማርዶኳይ ዋይ ዋይ ኢሎም ፡ንሕና ኸ ታይ ገበርና .ሩስያውያን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያን ተገብረ በደል ፓትሪያርክ ሩስያ ዘለዉዎም ኣብ ጽርግያ ወጺኦም ሰልፊ ብምግባር መረርኦም ገሊጾም ህዝብናን ንሕናን ከ ደኣ ካብቲ በረኸት ከይንካፈል ኢሉና ዶኾን እዩ ኣፍና ዓቢስና ደድሕሪ ተወገዙ ምስዓብ መሪጽና ዘሎና,,,,,,,,,,,,,,,,ይቅጽል።

ድምጺ ኦርቶዶክስ


                                                      ድምጺ ኦርቶዶክስ
ብ ስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኢልና ነዚ ብሎግ እዚ ንጅምር።እዚ ብሎግ እዚ ብሕግን እምነትን ኦርቶደክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዝምእዘዝ ኮይኑ፡ነታ ብ ተፈላለዩ ሓይልታት ድምጻ ከይተስምዕ ተዓፊና ዘላ ኦርቶደክስ በተ ክርስትያን ድምጻ ተስምዓሉ  ብሎግ እዩ።ኣብዚ ብሎግ እዚ ካብ ስርዓትን ሕግን ኦርቶደክስ ተዋህዶ ወጻኢ ጽሑፍ ዘይፍቀድ ምኻኑ እንዳ ሓበርና ኣብዚ ዝወጹ ጽሑፋት ንረብሓን ጠቅምን እግዚኣብሔር ን ዕብየት ኦርቶዶክስ በተ ክርስትያን ዝጠቅሙን ኣብ ክንዲ እታ ተዓቢሳ ዘላ ቤተ ክርስትያን ኮይኑ ደኣ ይዛረብ እንበር ናይ ዝኾነ ይኹን ጸግዒ ከምዘይ ኮነ ነፍልጥ።ሰናይ ናይ ምክትታልን ምስማዕን ንምነ።