Tuesday, 5 June 2012

መስርሕ ምርጫ መበል 118 ሕርያ ፓትርያርክ ቅዱስ ማርቆስ ኣለክሳንደርያ።

                                                    

መስርሕ ምርጫ መበል 118 ሕርያ ፓትርያርክ ዘሃገረ ምስሪ።

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤ
ወንጌላዊ ቅዱስ ማርቆስ ኢሉ ጀሚሩ፡ ቅዱስ ኣንያኖስ፡ ቅዱስ ሜልዮስ፡ ቅዱስ ክርዳኑ… እናበለ ብዘይምቍራጽ ቀጺሉ መበል 117 ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ሳልሳይ ዝበጽሐ ሓዋርያዊ ሰንሰለት፡ ሕጂ ኣብ መንበር ቅዱስ ማርቆስ ንኣቡነ ሺኖዳ ተኪኡ ዝቕመጥ መበል 118 ከ መን ኮን ክኸውን’ዩ ዝብል ናይዚ ግዜ እዚ ወቕታዊ ሕቶ’ዩ። ብሓልዮት ብጹዕ ኣቡነ ኣንጋኤሎስላዕለዋይ ጳጳስ ናይ ግብጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኣብ ሃገረ ዓባይ ብሪጣንያ ዝዳሎ መርበብ ሓበሬታ ግን ናይዚ ሕቶ እዚ ሰፊሕ መብርሂ ዝህብ ትሕዝቶ ጽሒፉ’ሎ፡ ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ እምበኣር ጽማቝ ትሕዝቶኡ ኢና ከነቕርብ።

ኣገባባት ምርጫ ፓትርያርክ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዛጊት ኣዘራራብን ኣከራኻርን ከምዘሎ ንዘስተብሃለ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ሃገረ ምስሪ ንኽካየድ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ መስርሕ ምርጫ፡ ከመይ ከምዝመስል ምርድኡ ሓጋዚ ተራ ከምዘለዎ ምንም ዘከራኽር የብሉን። ክልቲኤን ሃገራት ካብታ ምንጪ መንበርና ዝኾነት መንበረ ቅዱስ ማርቆስ ክመሃርኦ ዝኽእላ ኣገባብ ብዙሕ ከምዘሎ ክዝንጋዕ ኣይግባእን እዩ ዝብል ሓፈሻዊ መረዳእታ እዩ ዘለኒ። እዚ ስዒቡ ዝቐርብ ጽሑፍ ከኣ እቲ ኣብ መንበረ ቅዱስ ማርቆስ ዝግበር ምርጫ፡ ብኹሉ መለክዒታቱ ቅሉዕ ህዝባዊ ተሳትፎ ዝካየደሉን፡ ንሕሜታን ንበለካ-ለኽዓካን ዕድል ዘይህብ ደሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተኸተለ እዩ። ልዕሊ ኹሉ ድማ መዛዘሚኡ ኣብ እግዚኣብሔር ዝተወከለ፡ መንፈሳዊ ኣገባብ ዝመልኦን ሓዋርያዊ መስርሕ ዝሰዓበን ኮይኑ ስለዝረኸብክዎ ድማ እየ ምስ ሓፋሽ ከዕልለሉ ዝመርጽ ዘለኹ።

ቤተክርስቲያን ሓበሻ ንልዕሊ 1600 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ ምምሕዳር መንበረ ቅዱስ ማርቆስ ክትመሓደር ከምዝጸንሐት ርዱእ ይመስለኒ። ብ14 ጥሪ 1951 ግን ንመጀመርያ ግዜ ኣቡነ ባስልዮስ ናይ ሓበሻ ቤተክርስቲያን ቀዳማይ ፓትርያርክ ንምዃን ክሽየሙ ከለዉ እቲ ኣገባብ ብኸምቲ ናይ መንበረ ማርቆስ ኔሩ ክበሃል ዝከኣል ኣይመስለንን። ከምዝፍለጥ ኤርትራ ከም ሃገር ልዑላዊት ሃገር ምስ ኮነት ከኣ፡ ንሸውዓተ ዓመታት ብግዚያውነት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ08 ግንቦት 1998 እያ ርእሳ ኽኢላ ናይ መጀመርያ ፓትርያርክ ዝረኸበት። ይኹን እምበር ኣብዚ ናይ ሃገርና መስርሕ’ውን እቲ ኣገባብ ከምቲ ናይ መንበረ ማርቆስ እዩ ኔሩ ክበሃል ኣይከኣልን። ዝኾነ ኮይኑ ግን ብድምሩ ንሕና ናይ 14 ዓመታት (ካብዚ’ኳ እቲ ልዕሊ 6 ዓመታት ብዓመጽ፡) ኢትዮጵያውያን ድማ ናይ 61 ዓመታት (ኣብዚ’ውን ዛጊት ዘይዓረፈ ብዙሕ ሕልኽላኻት ዘለዎ) ተመኩሮ ኣለና ማለት እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ምናልባት ዶ ኾን ከምቲ ናይ መንበረ ቅዱስ ማርቆስ ኣገባብ ምርጫ ፓትርያርክ እንተንስዕብ ዝሓሸ ምኾነ ዝብል ንኽንሓስብ ዝድርኸና ዘሎ።

መስርሕ ምርጫ ፓትርያርክ ኣብ መንበረ ማርቆስ ከመይ ከምዝመስል ንምድህሳስ እምበኣር እቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ብሓልዮት ብጹዕ ኣቡነ ኣንጋኤሎስ ላዕለዋይ ጳጳስ ናይ ግብጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኣብ ሃገረ ዓባይ ብሪጣንያ ዝዳሎ መርበብ ሓበሬታ ዘስፈሮ ሓሳብ ሓፈሻዊ ጽማቕ ትርጉሙ ብኸምዚ ዝስዕብ ነቕርቦ ኣለና፥ ሰናይ ንባብ፥
ነቲ ብቛንቋ እንግሊዝ ዝተዳለወ ቦኽሪ ጽሑፍ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቕ http://www.copticcentre.blogspot.co.uk/2012/05/papal-selection-process-for-coptic.html
1. ብዛዕባ እቲ ኣብ መንበረ ቅዱስ ማርቆስ ንኽቕመጥ ዝምረጽ
ግብጻዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሽሕ ዓመታት ኣብ ሃገረ ምስሪ ህላውነታ ከየጥፈአት ዝነበረት ቤተክርስቲያን እያ። ካብቲ ዓቢ ወንጌላዊ ቅዱስ ማርቆስ ጀሚራ ድማ ክሳዕ እዞም ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብሞት ዝተፈልዩና ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ሳልሳይ፡ ነቲ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ብዘይብምታኽን ምቍራጽን ዓቂባ ትጕዓዝ ኣላ። ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ሳልሳይ፡ ኣብ መንበረ ማርቆስ መበል 117 ፓትርያርክ ነበሩ።
17 መጋቢት 2012 ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ሳልሳይ ዓሪፎም። ስለዚ እምበኣር እቲ “ዘኽታማት ኮይንኩም ኣይሓድገኩምን እየ” ዝብለና ኣምላኽና፡ ከም ልቢ ኣምላኽ ዝኾነ ሕያዋይ ዝጓስየና መራሒ ከምዝህበና እምነትና ምሉእ እዩ።
ኣብዘን ዝስዕባ ኣዋርሕ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ (ቅዱስ ሲኖዶስ ዝበሃል፥- ጉባኤ ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ናይ ግብጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ማለት እዩ) ከምኡ’ዉን እቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበረ ምእመናን ዝበሃል (ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበረ ምእመናን ዝበሃል ድማ ነታ ቤተክርስቲያን ኣብቲ ምምሕዳራዊ መዳያታ ዘካይዳ ማዕርግ ናይ ዘይብሎም ተራ ምእመናን ጉባኤ ማለት እዩ) ከምኡ’ውን መላእ ኣማኒ ግብጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኣብ ምምራጽ ፓትርያርክ ኩሉ ዘዝምልከቶ ብጽሒት ክገብር እዩ። ክንርስዖ ዘይብልና ድማ እዚ መስርሕ እዚ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ደረጃኡ ካብቶም ዝምረጹ ሰለስተ ሕጹያት እቲ ንመንበረ ማርቆስ ዝበቅዕ ኣብ ቤተመቕደስ ብዝግበር ሓፈሻዊ ጸሎት ብዕጫ ዝምረጽ ምዃኑ እዩ።
2. መስርሕ ምርጫ
መስርሕ ምርጫ ናይ ግብጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ብ1957 በታ ቤተክርስቲያን ተሃንዲሱ ብባይቶ መንግስቲ ሃገረ ምስሪ ድማ ኣብቲ ዓመት እቲ ሕጋውነት ብዝለበሰ ኣዋጅ እዩ ዝትግበር። እዚ ኣዋጅ እዚ ከምዝገልጾ፡ ፓትርያርክ ካብ ዝሞተሉ ኣብ ሻብዓይ መዓልቱ ካብቶም ሊቃነ ጳጳሳት እቲ ዝዓበየ፡ ሓፈሻዊ ኣኼባ ጸዊዑ ግዜያዊ ፓትርያርክ ከምዝምረጽ እዩ ዝገብር። በዚ መሰረት እዚ፡ እቶም ኣብዚ እዋን እዚ ዝዓበዩ ሊቀጳጳስ ዘለዉ ብጹዕ ኣቡነ ሚካኤል፡ ንኣቡነ ጳኩሚስ ጉባኤ ክመርሑ ወከሎሞም። ኣብቲ ናይ ቅዱስ ሲኖዶስን ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበረ ምእመናንን ብ22 መጋቢት 2012 ዝተኻየደ ኣኼባ ድማ ብጹዕ ኣቡነ ጳኩሚስ ግዚያዊ ፓትርያርክ ንኽኾኑ ብተጋባእቲ ብምሉእ ድምጺ ተመርጹ።
ኣብቲ ጉባኤ፡ ብቕዱስ ሲኖዶስ ዝተመዘዘት ሓንቲ ኮሚሽን ምርጫ ቈመት። ዕላማ ተልእኾ እዛ ኮሚሽን፡ ንፓትርያርክ ዝኾኑ ሕጹያት ምቕባልን ምምማይን ጀሚርካ ንሓፈሻዊ ምርጫ ንምትግባር እዩ። እዛ ኮሚሽን እዚኣ ብምድር 18 ኣባላት ክህልውዋ ከለዉ፡ ትሽዓተ ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ትሽዓተ ድማ ካብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበረ ምእመናን ዝተወከሉ እዮም።
ንኽብሪ ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳን ንሓፈሻዊ ምእመን ኦርቶዶክሳውያንን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ቅዱስ ሲኖዶስ እታ ኮሚሽን ምርጫ፡ ኣቡነ ሺኖዳ ካብ ዝዓረፉሉ ን 40 መዓልታት (ተዝካሮም ክሳዕ ዝሓልፍ) ዝርዝር ኣስማት ሕጹያት ከይትቕበል ብምልኣት ብሓደ ድምጺ ኣቐዲሙ ወሰነ። እተን 40 ናይ ዝኽሪ መዓልታት ድማ ብ26 ሚያዝያ 2012 ኣብቅዓ። ስለዚ እምበኣር ድሕሪ እዚ ዕለት እዚ እያ እታ ኮሚሽን ምርጫ ኣስማት ሕጹያት ምቕባል ዝጀመረት።
ንፓትርያርክነት ሕጹያት ኮይኖም ዝቐርቡ ዕድሚኦም እንተወሓደ 40 ዓመት ዝመልኡን፥ ብውሑድ ድማ ን15 ዓመታት ኣብ ገዳም ዝተቐመጡ ክኾኑን ይግባእ ዝብል መምዘኒ ብቕዓት እዩ ኣብቲ መምርሒ ሰፊሩ ዘሎ። ሕጹይ ኮይኑ ንኽቐርብ ድማ ሓደ ሕጹይ እንተወሓደ ሽዱሽተ ካብ ኣባልት ሲኖዶስ፡ ወይ ድማ 12 ካብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ምእመናን ምስ ዝውክልዎ ጥራይ ይኸውን። ብኸምዚ ምቕራብ ሕጹያት ድሕሪ እቲ 40 ናይ ዝኽሪ መዓልትታት ን20 መዓልቲ ክፉት ይኸውን፥ (ኣስተውዕል ካብ ዕለተ ዕረፍቲ ብጹዕ ወቅዱስ ምቕራብ ሕጹያት ዝዛዘመሉ ድሕሪ 60 መዓልቲ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ)።
ኮሚሽን ምርጫ ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ መምርሒ ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ንኹሉ እቲ ዝቐረበ ኣስማት ሕጹያት ትርእዮን ትመምዮን። ብድሕሪ እዚ ኣስማት ሕጹያት ብወግዒ ተፍልጥ እሞ እቲ ዝርዝር ኣስማት ን15 መዓልትታት ንህዝቢ ክፉት ብዝኾነ ኣገባብ ይዝርጋሕ። ኣብዚ ናይ ክልተ ሰሙን ግዜ እዚ፡ እቶም ንምምራጽ ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ዝኾነ ቅሬታ እንተለዎም ክጠርዑን ኣቤቱታኦም ከቕርቡን ይፍቀደሎም። ነቲ ዘጋጥም ክሲ እተጻሪ ኮሚተ ድማ፡ ሰለስተ ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ክልተ ኸኣ ካብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበረ ምእመናን ዝቖመት ሓንቲ ኮሚተ ትቐውም።
ድሕሪ’ዚ ነቲ ክቐርብ ዝኽእል ናይ ተቓውሞን ደገፍን ክርክር ንምጽራይ ናይ 30 መዓልታት ዕድል ይወሃብ። ብድሕሪ’ዚ ግን እቲ ናይ መወዳእታ ዝርዝር ሕጹያት ይቐርብ ማለት እዩ። ሕጹያት ካብ ሓሙሽተ ዘይውሕዱ ካብ ሸውዓተ ድማ ዘይበዝሑ ኮይኖም ንምርጫ ይቐርቡ። እዚ ምስ ተገብረ ዕለተ ምርጫ ይውሰን፥ ካብ 30 መዓልቲ ኣብ ዘይበዝሕ ግዜ ድማ ምርጫ ከምዝካየድ ይግበር።
ውጽኢት ምርጫ ምስ ተነግረ ኣብ ዘላ ቀዳመይቲ ሰንበት፡ ኣስማት ናይቶም ኣብቲ ምርጫ ዝለዕለ ድምጺ ዝረኸቡ ሰለስተ ቀዳሞት ምሩጻት ኣብ ወረቐት ተጻሒፉ ይጥቕለል እሞ እቲ እግዚኣብሔር ዝሰመሮ ብዕጫ ምእንቲ ክፍለየሎም ድማ ኣብ ቤተክርስቲያን ብጸሎተ-ቅዳሴ፡ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣሻሓት ህዝብን ቤተክህነትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ናብ እግዚኣብሔር ብሓባር ጸሎት ይዓርግ። ድሕሪ ምዝዛም ቅዳሴ ኸኣ እቲ “ዕጫ ቤተመቕደስ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወሳኒ ዝኾነ ዕጫ ንምክያድ፡ ሓደ ህጻን ካብቲ ጉባኤ ይጽዋዕ እሞ፡ ሓንቲ ካብተን ጥቕሉላት ወረቓቕቲ ከምዘልዕል ይግበር። እታ ዝተመርጸት ወረቐት ኣብ ቅድሚ ሓፋሽ ተኸፊታ ህዝቢ ከምዝርእያ ትግበር፡ እቲ ስዒቡ ኣብ መንበር ቅዱስ ማርቆስ ክቕመጥ ዘለዎ መበል 118 ፓትርያርክ ተፈሊጡ ማለት እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ ፓትርያርክ ንምዃን ብወግዒ መንበር ይርከብ። እቲ መስርሕ ክዛዘም ስለዘለዎ ግን እተን ክልተ ካልኦት ወረቓቕቲ እውን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ይኽፈታ እሞ እቲ ኣስማት ድማ ንህዝቢ ብወግዒ ይንበብ፡ ብኸምዚ ድማ እቲ ክመጽእ ዝኽእል ምጥርጣራትን ዘረባን መዕበሲ ይረክብ ማለት እዩ።
3. ብዛዕባ መረጽቲ
እታ ካብ ቅዱስ ሲኖዶስን ካብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበረ ምእመናንን እትቐውም ኮሚሽን ምርጫ፡ ጐኒ ጐኒ እቲ ናይ ተመረጽቲ ምምጽርይን ምምማይን ናይ መረጽቲ እውን ተመሳሳሊ ምምማይን ምምጽራይን ትገብር እያ። ነፍሲ ወከፍ ሃገረ ስብከት፡ 12 ካብ ምእመናንን በቶም ኣብ ጽፍሒ ሓላፍነት ዘለው ቤተክህነትን ትውከል። ኣስማት ናይቶም ኣብ ምርጫ ዝሳተፉ ብወግዒ ናብታ ኮሚሽን ምርጫ ምስ ቀረበ፡ እታ ኮሚሽን ምርጫ ድማ ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ንብቕዓት እቶም መረጽቲ ትመምን ተረጋግጽን። ኣስማት ናይ መረጽቲ ብወግዒ ምስ ተሓበረ፡ ዝኾነ ቅሬታ ዘለዎ ናብታ ጥርዓን እትመሚ ኮሚተ ጥርዓኑን ኣቤቱታኡን ብጽሑፍ ከቕርብ ናይ 15 ዕድል ኣለዎ። ክርሳዕ ዘይብሉ ግን ኣብዚ’ውን እቶም ንምምራጽ ብቕዓት ዘለዎም ጥራይ እዮም ጥርዓኖም ከቕርቡ ዝኽእሉ።
እቶም ንምምራጽ ብቕዓት ዘለዎም ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፥-
v ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ፡
v ኣባላት ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበረ ምእመናን፡ ህልዋትን ነበራትን (ቅድሚ ሕጂ ኣባል ዝነበሩ)
v ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገረ ስብከት ዝርከቡ ኣብ ሓላፍነት ዝርከቡ ቤተ ክህነት፡
v ካብ ነፍሲ ወከፍ ሃገረ ስብከት ዝቐርቡ ዓዓሰርተ-ክልተ ወከልቲ ምእመናን፡
v ሚኒስተራትን ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን (ክርስቲያን ዝኾኑ ህልዋትን ነበርን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ) ፡
v ከምኡ’ዉን ኣብ መንግስቲ ኣብ ማሕበር ፕረስ ግብጺ ምዝጉባት ዝኾኑ ክርስቲያን ጋዜጠኛታት እዮም።
እቲ ሓፈሻዊ መስርሕ ምርጫ ኣስታት ሽዱሽተ ወርሒ ኣቢሉ እዩ ዝወስድ። በዚ መሰረት ድማ ኣብ ወርሒ መስከረም 2012 ኣቢሉ እዩ እቲ ምርጫ ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ማለት እዩ። ኩለን ሃገረ ስበከታት ብሓደ መዓልቲ እየን ክመርጻ፡ ዕለተ ምርጫ ድማ ቅዱስ ሲኖዶስ ብዝውስኖ ብኣዋጅ ንኹለን ብወግዒ ኪንገረን እዩ።
ኣብ ኩሉ እዚ መስርሕ እዚ ካብ ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ዝግበር ሓድሕዳዊ ምውካል ኣስማት ብቐረባ ናይ ዝፈልጥዎም ሊቃነ ጳጳሳት፡ ካብ ሓፈሻዊ ማሕበረ ምእመናን ዝግበር ምውካል ምእመናን ዝዓግቡሉ ምውካል መራሒ፡ ኮሚሽን ምርጫ ድማ ዘካይዶ ደቂቕ ናይ ምጽራይ መስርሕ፡ ወዘተ ዝህሉ ብድሆታትን ምሕጽንታታትን፡ ወካሊ ዝኾነ ደሞክራስያዊ ምርጫ፡ ልዕሊ ኹሉ ግን እቲ ብእግዚኣብሔር ክውሰን ዘለዎ ናይ ቤተመቕደስ ዕጫ፡ ዝያዳ መንፈሳውነትን ቅኑዕነትን ዘረጋግጽ መስርሕ ኢና ክንርኢ። እዚ ኣብ እግዚኣብሔር ብምውካል ዝግበር ናይ ቤተመቕደስ ዕጫ ድማ ብጸሎትን ብፍጹም ትሕትናን ዝግበር መስርሕ ስለዝኾነ ዘሐብን ፍጻመ እዩ።
4. ስእላዊ መግለጺ ዝርጋሐ-ግዜ ናይ መስርሕ ምርጫ
እቲ መስርዕ ናይ ትግባረ ቅደም-ተኸተል እኳ ዘይቅየር እንተኾነኮሚሽን ምርጫ ተወሳኺ ግዜ የድልየኒ እዩ እንተኢላ ግን ምናልባት ናይ ግዜ ምንዋሕ ከጋጥሞ ዝኽእል ሓፈሻዊ ሰሌዳ ከምዚ ቀጺሉ ቀሪቡ ዘሎ እዩ።
v ቀዳማይ መዓልቲ፥- ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ሳልሳይ ዝዓፉላ ዕለት፡ 17 መጋቢት 2012
v ሻብዓይ መዓልቲ፥- ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስን ኣባላት ሓፈሻዊ ማሕበረ ምእመናን ግዚያዊ ፓትርያርክ ይመርጹ
v መበል 40 መዓልቲ፥- ዝኽሪ (ተዝካር) ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ሳልሳይ
v መበል 60 መዓልቲ፥- ናይ ተመረጽትን መረጽትን ዝርዝር ይሕበር፡ ተቓውሞን ኣቤቱታን ንምቕራብ ክፉት ይኸውን
v መበል 75 መዓልቲ፥- ናይ ተመረጽትን መረጽትን ናይ መወዳእታ ዝርዝር ይሕበር፡ ኣቤቱታን ጥርዓንን ይስማዕ
v መበል 90 መዓልቲ፥- ኣጻራይት ኮሚተ ንጥርዓንን ኣቤቱታን ናይ መወዳእታ መልሲ ትህብ፡
v መበል 120 መዓልቲ፥- ናይ ተመረጽቲ ዝርዝር ኣስማት ናይ መወዳእታ መልክዑ ሒዙ ይሕበር
v መበል 150 መዓልቲ፥- ምርጫ ይካየድ
v መበል 151 መዓልቲ፥- ውጽኢት ምርጫ ይንገር፡ እታ መዓልቲ ናይ ቤተመቕደስ ዕጫ መዓስ ምዃና ብወግዒ ይሕበር
v ድሕሪ እዚ ኣብ ዘላ ሰንበት፥- ድሕሪ ቅዳሴ ዝፍጸም ናይ ቤተመቕደስ ዕጫ ተባሂሉ ዝጥቀስ ዕጫ ይካየድ። በዚ ድማ እቲ ኣብ መንበረ ቅዱስ ማርቆስ መበል 118 ፓትርያርክ ዝኸውን መንበረ ሥልጣን ይርከብ።
ነቲ ብቛንቋ እንግሊዝ ዝተዳለወ ቦኽሪ ጽሑፍ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቕ
ዝርዝር ጳጳሳት ምስራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምርኣይ/ምንባብ ኣብዚ ጠውቕ
ብ ቀሺ ዮናስ ዝተጻሕፈ ካብ ተዋህዶ.ኦርግ ዝወሰድናዮ እዩ።http://tewahdo.org/index.php?option=com_content&view=article&id=1122:-118-&catid=64:2008-08-24-02-53-39&Itemid=80
 ኦርጅናል ወይ ቦኽሪ ጽሑፍ እንግሊሽ ድማ http://www.copticcentre.blogspot.co.uk/2012/05/papal-selection-process-for-coptic.html
ዝርዝር ኣስማት ድማ ኣብዚ ዝስዕብ ከተንቡቡዎ ትኽእሉ http://en.wikipedia.org/wiki/List_of_Coptic_Orthodox_Popes_of_Alexandria
                            dmstiorthodox@gmail.com

ቃል ብዘኣተናዮ መሰረት ኣስማት ናይቶም ኣብ ምርጫ መን ፖፕ ይኹን ዝብል ምርጫ ዝወዳደሩ ብጹኣን ኣቦታት ዝነግር ሊስቲ ናይ 17 ጳጳሳት ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ምርጫ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

ቃል ብዘኣተናዮ መሰረት ኣስማት ናይቶም ኣብ ምርጫ መን ፖፕ ይኹን ዝብል ምርጫ ዝወዳደሩ ብጹኣን ኣቦታት ዝነግር ሊስቲ ናይ 17 ጳጳሳት ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ምርጫ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

The official list is out. Here are the 17 candidates for the Coptic Orthodox Church Papal Election:

1,ኣቡነ  ሮፋኤል                         1,anba rophael

2,ኣቡነ ዮሓንስ                         2, anba youannes

3,ኣቡነ ተወድሮስ                         3, anba tewedros vescovo elbahaira

4,ኣቡነ በቭኖትዮስ ሳማሎት               4,anba bevnotious of samalout

5,መትሮፖሊታን ቢሾይ                   5, metropolitan bishoy

6,ኣቡነ ቀርሎስ ሃገረ ስብከት ሚላኖ         6, anba kirollos vescovo milano

7,ኣቡነ ፓኽሙስ ኣልስርያኒ                7, anba pakhomous el_souriani

8,ኣቡነ  ሽኖዳ  ደብሪ ኣባ ብሾይ           8,anba shenouda avva bishoy

9,ኣቡነ ዳንኤል ኢል ሶርያኒ                9, anba daniel el-souriani

10,ኣቡነ ብሾይ ኣባ ፓውላ                10,anba bisso avva paula

11,ኣቡነ ሳዋሬስ ኣቫቫ ፓዋ               11,anba sawaries avva paula

12,ኣቡነ ሰራፍም ኣልስርያኒ               12,anba sraohim el souriani

13, ኣቡነ ፒጎላ ኣቫቫ ፓውላ              13,anba pigol avva paula      

14.ኣቡነ ኣናስታሲ ኢል ሳሙኤል          14,anba saanstasi el- samuely

15, ኣቡነ ሮፕሀል                        15,anba rophael

16, ኣቡነ ፓኽሞዩስ ኢል ኣንቶንይ            16,anba maximos el -antony

17.ኣቡነ ጰጥሮስ                                 17, anba boutros

                   Please lets pray to God to give us a good Shepherd for US !.

                                       ቅኑዕ ጓሳ ክህበና ኣጥቢቅና ንጸሊ !።

             ድምጺ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ በተ ክርስትያን
        dmstiorthodox@gmail.com


Friday, 1 June 2012

ቅዱስ ሲኖዶስ ኣለክ ሳንደርያ ዘመንበረ ማርቆስ ሓዋርያ ታሪኻውን ዝነኣድን ውሳኔ ሂቡ!!!።


ቅዱስ ሲኖዶስ ኣለክ ሳንደርያ ዘመንበረ 

ማርቆስ ሓዋርያ ታሪኻውን ዝነኣድን ውሳኔ ሂቡ!!!። 

ቅዱስ-ሲኖዶስ ቤተ-ክርስቲያን ናይ እስክንድርያ ዘመንበረ ማርቆስ ሓዋርያ፡ 30 ግንቦት 2012 ኣብ ዘሕለፎ ውሳኔ፡ እቲ ብብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ-እንጦንዮስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኤርትራ ዚምራሕ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ነታ ቤተ-ክርስቲያን ዝውክል ሕጋዊ-ኣካል ምዃኑ ብምርግጋጽ ንታሪኽ ዚመሓላለፍ- ውሳኔ ሂቡ ከም ዘሎ ካብ ክልቲኡ ወገን ዝመጸና ሓበረታ የረድእ።
በዚ መሠረት': እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንበረ ማርቆስ ኪፍጸም፡ ምቅርራብ ዚግበረሉ ዘሎ ሥርዓተ-ሢመት ቅዱስ ፓትርያርክ ዘእስክንድርያ፡ እተን ሕጋዊ ኣፍልጦ ወይ ውክልና ረኺበን ክሳተፋ ዘለወን ኣብያተ-ክርስቲያናት፡ መን ይኹና ንዝብል ሕቶ ኣብ ዝተበጽሐ ውሳኔ፡ ኵለን ናይ ኦሬንታል ኣብያተ-ክርስቲያናት ኦርቶዶክስን፣ ናይ ምብራቕ ኦርቶዶክስን ናይ ተሳትፎ መሰል ክህልወን ከሎ፡ እተን ብሓዋርያዊ ሰንሰለት ደቂ-መንበረ ቅዱስ-ማርቆስ ሓዋርያ ዚኾና ኤርትራን ኢትዮጵያን ግና፡ ከም ደቂ' ቅዱስ ስድራ መጠን ምሉእ ናይ ተሳታፍነት መሰል ከምዘለወን' እቲ ውሳኔ ዘረጋግጽ።

ኤርትራ ክበሃል ከሎ ግን ናብቲ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ ብሓዋርያዊ ሥልጣን ብስም ቅድስት ሥላሴ ዝተወገዘ፣ ብኣቶ ዮፍታሄ ዝምራሕ ሲኖዶስ ዝጠመተ ኣይኮነን። እዚ ብውግዘት ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ተወጊዙ ዘሎ ናይ ዮፍታሄ ምምሕዳር፡ ብናይ ምብራቕ ኣብያተ-ክርስቲያናት ኦርቶዶክስ ጉባኤ'ውን ዝተነጽገ ስለዝኾነ፡ ብዝኾነ መዐቀኒ ንናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ወካሊ ኮይኑ ኪርከብ ሕጋዊ ባይታ ዘለዎ ኣይኮነን። ስለዚ ድማ' እቲ ኣብ መንበረ-ማርቆስ ዝተዋህበ ውሳኔ፡ ዝኾነ ተሳትፎ ከምዘይህልዎ ብምግባር ኣብ ዝኾነ ጉባኤኡ ከምዘይቀርብ ገይሩ ኣጊዱዎ ዘሎ።

ኣብ ክንዲ' ግን ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ናይ እስክንድርያ መንበረ ማርቆስ፣ ሓደ ብታሪኽ እናተዘከረ ዝነብር ውሳኔ ከምዝወሰነ፡ ብወግዒ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ማለት ድማ ነቲ ሒዙዎ ዝጸንሐ ተሪር ኣቕዋም መሠረት ብምግባር፡ ነተን ኣብ መሠረት ፓትርያርክነት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ-እንጦንዮስ ጸኒዐን ብመሪሕነት ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ተማእኪለን ዚርከባ ሃገረ-ስብከታት፡-
1.ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ: 
2.
ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ
3.ሃገረ ስብከት ማእከላይ-ምብራቕን ሕጋዊ ኣፍልጦ ብምሃብ ዓሠርተ መናብር ተዋሂቡወን ኣሎ። ተሳተፍቲ ድማ ንቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ኤርትራ ወኪሎም ኣብ ምርጫ መበል 118 ፓትርያርክ ናይ እስክንድርያ ክሳተፋ ብውሳኔ ቅዱስ ሲኖዶስ ጸዲቑ ኣሎ።

እዚ ውሳኔ' ድማ ታሪኻዊ ስለዝኾነ ብሙሉኡ ሕዝቢ-ተዋሕዶ፡ ከም ሓደ ዓቢይ ሃይማኖታዊ ዓወት ገይሩ ክርእዮን ነቲ ገባር ተኣምራት ዝኾነ ኣምላኽ ጸሎተ-ምስጋና ከቕርብን ግዴታ ኣለዎ። ብዝተረፈ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስ በቲ ዚገብርዎ ዘሎዉ ጻዕርን ድኻምን ዝተረኽበ ዓወት ስለዝኾነ ከየመስገንናዮም ክንሓልፍ ሕልናና ኣይፈቕደልናን።

እዚ ጉባኤ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ማዕረ ኩለን ዓለም-ለኸ ኣብያተ ክርስቲያናት ሉዑላዊት ሓዋርያዊትን ቤተ ክርስቲያንን ምዃና ዘረጋግጽ፣ ውጽኢት ጸሎት ናይ ምእመናን-እግዚኣብሄር ምዃኑ ክርሳዕ ኣይግባእን።ስለዚ ኦርቶዶክሳውይና ኤረትራውያን ን ኣምላኽ ከመስግኑ ይግባእ ብፍላይ ኸኣ እቶም ብ ሃልሃል ዝበለ ሓዊ ፈተና እንዳተዋረዱን እንዳተጸረፉን ሽሞም እንዳጸለመን ዝሳግሩ ዘለዉ ካህናት ኣምላኽ ምስኦም ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ።

 እወ ረዲኤት እግዚኣብሔር ሰለዘይተፈልየና፣ ነዞም ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ኤርትራ ወኪሎም ኣብቲ ዓቢይ መድረኽ መንበረ-ማርቆስ ክሳተፉ ዝለኣኹ ዘሎዉ ወኪላት ዘድሊ መሳለጥያ ኣብ ምውዳድ ንርከብ ኣሎና ይብሉ ሓለፍቲ እተን ሃገረ ስብከታት።እዚ ኣዝዩ ዘደንቅ ታሪኻዊ ፍጻመ ነቶም ኣብ ኤረትራ ደድሕሪ መንግስቲ ኤረትራ ብምስዓብ ንሕግን እምነትን ኦርቶዶክስ ዘባላሽዉን ን መንግስተ ኤረትራን ዓቢ ውድቀት እዩ፡ኩላትና ከም እንፈልጦ መንግስተ ኤረትራ ነዞም ዓለም ከም ሕጋውያን ተቀቢላቶም ዘላ መስቀል ሒዞም ጊደፍ ደኣ ሃይማኖትና  ኣይትተንክፍ ፡ናይ ቀሳር ንቀሳር ናይ ኣምላኽ ን ኣምላኽ 
ዝብሉ ዘለዉ መራሕቲ ሃይማኖት: ሽሞም በቶም ሰዓብቱ ጳጳሳትn ገለ ዕሱባት ካህናትን ዲያቆናትን ብፍላይ ኸኣ ብ ኣቡነ ደስቆሮስን ብ ጭዋ ኣቶ ይፍታሀ ዲመጥሮስን ገሩ ተሃድሶ እዮም ብምባል ፡ነቲ ቀንደ ነገር መኣዝኑ ንምስሓት ፡ናይቲ ህዝቢ ዘለዎ ድኽመታትን ዘይምምሃርን ብምምዝማዝ፡ሰፊሕ ናይ ጸለመ ዘመተ ከም ዘካየዱን ናይ ዓለም ቤተ ክርስትያን ግን  ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ብምፍታሽ ከም ዝነጸገኦን ነቶም ሰዓብቲ መንግስተ ኤረትራ ከም ዝፈልየኦምን ዝፍለጥ እዩ።
እዚ ንህዝቢ ኤረትራ ዓቢ መልሲ  እዩ።ብፍላይ ከኣ ነቶም ዝርደኦም።ብ ዓለም ዝፈንፈነቶምን ዝተወገዙን  ጳጳሳትን ካህናትን ዝዕሾ ዘሎ ንሱ እቲ ኤረትራዊ ህዝቢ ምዃኑ ጥራሕ ከም ዝኾነ ዘርኢ እዩ።ህጂ እውን ኤረትራውያን ስለ ሃይማኖቶም ክትንስኡን ክለዓሉን  ዓገብ ክብሉን ንጽውዕ ኣብ ዝመጽእ ኣስማት ናይቶም ኣብ ምርጫ ፖፕ ኣለክሳንደርያ ዝዋዳደሩ ዘለዉ ክንጥእቅሰልኩም ኢና።

ረዲኤት እግዚኣብሔር ኣብ ቤተክርስቲያን ይንገስ።

ጸሎት ኣቡነ እንጦንዮስ ቀዳማዊ 3 ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ኣኅጉረ ስብከታት ኣይፈለየና።

        ድምጺ ኦርቶዶክስ
           dmsti orthodox@gmail.com

ድምጽና !።


                  ድምጽና!።
ድምጽና እወ ድምጺ ሓቂ
ን ቃል ኣጋንንቲ ጨፍላቂ
ብ ቃሉ ምስ ኣምላኽ ዓራቂ
ብ ትምህርቲ ወንጌል ዘብጽሕ ናብ ጽድቂ
ኣምላኽ ይባርኽኪ ድምጽና ኣቲ ድምጺ ሓቂ
                           ተዓቢስና ነርና በዚሖም ተጻባእቲ
                          ነጥሕሎም ዝብሉ ናይ ሲኦል ኣጋንንቲ
                          ገለ ከሓድያን ገለ ኮሚኒስቲ
                          ንስኺ ግን መጺእኪ ከይንዕበስ ምእንቲ
                         ብቃል ኣምላኽ ገርኪ  ንከደዓት ትምጉቲ
                         ዕበዪ ጥራሕ ኣበይ ከይበጽሕ መስሓቲ
                          ዕበዪ ድምጽና ማይ ሂወት ክንሰቲ
ድምጽና
ድምጽና ድምጺ ሓቂ መቃልሕ ውጹዓት
ፈሪዶምና ነሮም ብድንቁርና ክንበሓት
ካብ ወንጌል ተጨዊና ክንነብር ኣብ ፍርሓት
ንስኺ ግን መጺእኪ ፈጢሩልና ብልሓት
ብኣኺ ገርና ከነፍርስ ድፍዓት
በርትዒ ጥራሕ ኩኒ ዘይደክም ጸዓት
 ድምጽና ድምጺ ኦርቶደክስ መቃልሕ ሃወርያት

                            ድምጽና
                        ኣፈ ሃወርያት ዘይትቆርጽ ተስፋ
                      ንኹሉ ትበጽሖ ገለ እኳ ዘይሓልፋ
                     ኦርቶዶክስ ተባሂሉ ነይሩ እሮማይ ጸዲፋ
                      ተወሊድኪ ግን ንስኺ ናይ ቅዱሳን ተስፋ
                       ህጅስ ክንትንስእ ኢና ን ዓለም ክንሓልፋ

ስርዓትና ተቀይሩ ፓትሪያርክና ተሓይሩ
ተቃወሙ ኸኣ ኩሎም ይባረሩ
ሕጊ ሰብ ከቢሩ ሕጊ ኣምላኽ ተሳዒሩ
በየን ገርና ንምክት ጨኒቁና ነይሩ
ግን ንስኺ መጺእኪ ትብንቁሲ ስሩ
ንፈርዕን ተቃልዒ  ሰራውሩ
ኣሎና በሊዮ በሊ ይሕደር ተኾምቲሩ
ክሳዕ ዝተርፍ ኣብ ባሕሪ ተቀቢሩ
ንዳሕራይ ትውልዲ መታን ሰባት ክመሃርሉ
                       ወስብሓት ለእግዚኣብሔር
                     ድምጺ ኦርቶደክስ 
             dmstiorthodox@gmail.com