Tuesday 3 July 2012

መንግስቲ ኤረትራ ሕቶ ፓትሪያርክ ፍታሕ ተገይሩሉ ካብ ሃይማኖት ኢዱ ተዘውጽ፡ ምስ መንግስቲ ዘሰሓሕበና ኣይምሃለወን፡ ኣንጻሩ ዝኾነ ዝግበር ደው መበልናዮ ነርና ይብሉ ገለ መራሕቲ ኦርቶዶክስ ::


"መንግስቲ ኤረትራ  ሕቶ ፓትሪያርክ   ፍታሕ ተገይሩሉ ካብ ሃይማኖት ኢዱ ተዘውጽ፡ ምስ መንግስቲ ዘሰሓሕበና ኣይምሃለወን፡ ኣንጻሩ ዝኾነ ዝግበር ደው መበልናዮ ነርና" ይብሉ ገለ መራሕቲ ኦርቶዶክስ ::
ብዙሓት ወሰንትን ተሰማዕትን ካህናት  መራሕቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን  ኤረትራ። "መንግስቲ ኤረትራ ን ፓትሪያርክ እንጠንዮስ ተፈቲሑን ነቲ ናብ ተዋህዶ ክሕግዘኩም እዩ ኢሉ ዘምጸኣልና ኣቶ ይፍታሀ ዲመጥሮስ ካብ መንበረ ፓትሪያርክ ኣውጺኡ ነታ ቤተ ክርስትያን  እንድሕሪ ለቂቁዎም ፡ካብ ብዘሎ ጽልዋን ጸቅጥን ተተሓሪሙን መንግስቲ ኤረትራ በየናይ ስርዓት ንሃገረ ኤረትራ ይምርሓያ ኣይምተዛረብናን"፡ "እዚ ጉዳይ ፖሎቲካ ናይ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ክንዛረብ ኣይምደለናን ፡ ዘገድደና ዘሎ ግን መንግስተ ኤረትራ ኣብ ጉዳይና ይኣቱ ስለ ዘሎን ንሓድነት ሃገር ብዝገማምዕ መገዲ ነታ ቤተ ክርስትያን ከም ሞግዚቱ ብምጥቃም ሓድሽ ፓትሪያርክ ዳግማይ ንኽመርጹ  ብምድፍፋኡን ብ ኣቶ ይፍታሀ ገይሩ ስለ ዝሃወኸና እንበር መንግስትና ምስ ፈተና ኣይምጸላእናን" ይብሉ።
እዚ ካብ ገለ ካህናት ተዋህዶ ዝወጽእ ዘሎ ቃላት ግን ስለምንታይ እዩ መንግስተ ኤረትራ ክኸስበሉ ዘይፈተነ፡ከም ዝፍለጥ ብሰንኪ ሃይማኖት ምትንካፉ ዝመጸ ሰበብ ዋላ ኣብ እቶም ፎቶ ፕረሲደንት ኣብ መተርኣስና ገርና ንነብር ነበርና ምእመናንን ከምኡ እውን ዝውዕሉ ነበሩ ካህናትን ምእመናን  ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ልብና ክስንብር ጀሚሩ ኣሎ።ኣብ 2011 ሓደ መንእሰይ  ቀስ ክዛረብ ከሎ ተዓዲሙ ኣብ ናይ ህዝቢ  ኣብ ፓልቶክ ደምበ መንእሰይ ን ደሞክራስን ፍትሕን ተዓዲሙ መጺኡ መግለጺ ኣብ ዝህበሉ ነበረ ግዜ ምስ ተሓተት ዝበሎ ተነይሩ  እዚ ዝጠቀስኩዎ እዩ።ስለምንታይ ግን መንግስተ ኤረትራ ብ ሓቂ ቅሳነትን ሰላምን ህዝቢ ዝፈቱ ተኾይኑ ከምዚ ዝበሃል ዘሎ ዘይገበረ።
እንታይ እዩ ኸ ዝኽሰቦ ልዕሊ እዚ ዝኸስሮ ዘሎ ዓለማዊ ይኹን ውሽጣዊ ክሳራታት፡ዝዓበየ ድማ ኣብ ደገፍቱ ሞሮላዊ ክሳራ፡ ይፈጥር ኣሎ።ከም መንግስቲ መጠን ከ  ስለምንታይ ንረብሓ ህልውና ሃገርን መጻኢ ህላወ መንግስትን  ዘይሓሰበ።ካብቲ 80% ህዝቢ ን መንግስቲ ነጺልዎ ዘሎ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ቤተ ክርስትያን ጦብሎቅ ብምባሉ እዩ።ኣብ ወጻኢ ተሪኢና 99.9 ነቲ መንግስቲ ኤረትራ ኣብ ልዕሊ ኣቡነ እንጠንዮስ ዝገበሮ ዓመጽ ዋላ እቶም ቀንዲ ደገፍቲ  እውን ይኹኑ ይቃወም።ዋላ እዞም ሎሚ ሕተኦም ካብ መዓልቲ ናብ መዓልት እንዳ ኣትረርዎን ንሕና ኢና ስቅ ኢልና ተዓጊስና እንበር መሰል ሰብ ካብ ምግፋፍ እውን ኣይተቆጠበን እዚ መንግስቲ እዚ ዝብሉ ዘለዉን ገለ ተሰማዕቲ ካህናት እውን ሕተኦም ብጸማም እዝኒ ብምጽቃጡ  እዩ።ከም ፖሎቲከኛ ኣነ ቀዳምነት ረብሓና ምጠመትኩ ረብሓና ከኣ ካብ ህዝቢ ከይንንጸል ምስትውዓል እዩ።
ኣነ እውን ን መንግስተ ኤረትራ  ብ ፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ፕረሲደንት ጽቡቅ ኣወንታ ዘለኒ ሰብ እየ ነይረ ግን ብምንታይ ክድግፎ ይኽእል በቃ  ነእምሮይ ምእማን ስኢነዮ።።ግድን እንዳፈተኹዎ ከለኹ ሓቆም እዮም እባ እዞም ዓገብ  ዝብሉ፡ተቃወምትስ ስልጣን ደልዮም በለና፡ እዚኦም ከ እዞም መራሕቲ ሃይማኖት እሞ ድማ ገለ ብፍላይሲ ብ ውልቂ ካብ ህጻንነቶም እንፈልጦም ፡ስድረኦም እኳ ደኣ  ሰበስልጣን ዘለዉዎም፡ገለ ኸኣ ከቢድ ፍቅሪ ኣብ ልዕሊ ፕረሲደንት ዘለዎም ወረ ገሊኦምሲ መኪና ብ ኢድ ፕረሲደንት ዝተዋሃቡ የዕሩኽ ፕረሲደንት እዮም ፡ክንደይ ንፈልጦም ስለ ሓቂ ክሳዶም ዘሕልፉ ተበዓትን ተረርትን ሰባት እዮም።ነዚኦም ከ እንታይ ኢና ከነመኽንየሎም !።ብምባል  ክንድግፎም ብምግዳድ ነቶም ብ መንግስቲ ዝድገፉ ድማ ክንጽየፎም መሪጸ።
መንግስተ ኤረትራ ኾነ እቶም ብኡኡ ዝድገፉ ገለ መራሕቲ ሃይማኖት እኳ ክዛረቡ ኣየጓነፈንን ግን ገለ  ካድራትን ሰዓብቱ መንግስትን   ኤረትራ ኣብ  ፓትሪያርክና ዝገበረቶ ንቃወም ኢና ይብሉ። ወሲኾም ድማ  እዞም ነዚ ሕቶ ዝሓቱ ዘለዉ ካልእ ዕላማ ኣለዎም ይብሉኻ።እዚኣ ካብ ዓበይቲ ሰበስልጣን ኤረትራ ከይተረፈ እኳ ደኣ መራሕቲ ክፍለ ሰራዊታት ዝሰማዕኩዋ እያ።ስለምንታይ ግን መንግስተ ኤረትራ ነዚ ሕተኦም ዘይምልሶ፡ ማለት ፓትሪያርክ ካብ ቤተ ማእሰርቲ ኣውጺኡ፡ናብ በትኡ ብምምላስ ነቲ ዝቃወሙዎ ዘለዉ  ኣቶ ይፍታሀ ድማ ኣልጊሱ ተኣሰሩ ካህናት ብምፍታሕ ነቲ መዛረቢ ኣርእስቲ ዘይዓጽዎ።ደሓር ድማ ንሕና ዋእ ህጂኸ ታይ ደሊኹም ንብሎም። ንሕና ነዞም ፖሎቲካ ዓብዮም ንእሽተኦም ክንምክቶም ንኽእል ኢና፡ ን መራሕቲ ሃይማኖት ግን ከቶ ክንረትዖም ዘኽኣለና  ኣይተረኽበን ሃይማኖት ዋጋ ዕዳጋ ስለ ዘይኣቱ።
ኣነ ንባዕለይ ካብቶም ካብ ግዜ ቃልሲ ኣትሒዘ ክሳዕ ህጂ ተጋደልኩ ሓፋሽ ውዱብ እየ፡መራሒ ጉጅለ  ድማ እየ ኣብ ህግድፍ ግን  ንሕና እዚ ዝሓትዎ ዘለዉ ኣቦታትና ሓቂ እዩ።ብኸመይ ዓይኒ ኢና ትጋገዩ ኣለኹም ኢልና ከነረድእሞ ነዞም ካህናት ገይጋ ኣብ ገዛና ከሎ።እንታይ ከ ገደሶ ት መንግስቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዶ ዋላ ግንዕፍሪት ።ብሓቂ ዘሕዝን እዩ።መንግስቲ ኤረትራ ነቲ ንፈትዎ ዉዱብ ህዝባዊ ግንባር ክንጸልኦን ክንጣራጠሮን ይገብረና ኣሎ።ናይ ታሪኽ ተሓታቲ  ድማ ክኸውን እዩ ።ነዚ ጉዳይ ብቅልጡፍ ተዘይ ኣልዩዎ፡ምስ ሓደ ፈላሲ ሃላሊኽካ ን ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ክግበር ካብ እቲ ከም በሊሕ እንፈልጦ  ህዝባዊ ግንባር ኣይንጽበዮን!።ህጂ እውን መንግስቲ ነዚ ጉዳይ እዚ ክሓስበሉ ኣለዎ።እንተ ዶላር እዮም ኣመሪካ ሂባቶም  ኢልና ምዝራብ ግን ዳርጋ እቲ ህዝቢ ሓቂ ትኹን ሓሶት ፍጊዕ ኢላቶ እያ።ሓደሽ ሃይማኖት እዮም ክምስርቱ ደልዮም ንዝብል እንካ ክሳዕ ብድፍረት ኣቦኻ  ከምኣ እንዳበለ ሞተ  ኢለን ደው ኢለ ዝመለሳልና ኣዴታት እውን ኣለዋ።እተን ካብ ህዝቢ ተፈንፊነን ነበራ ዉዱባት  ንባዕለን ነዚ ከም ዘይሓልፍ ይምዝምዘኦ ኣለዋ።ንሰን ከይምዝምዝኦ ክንብል ግን ሃይማኖትና ዋጋ ዕዳጋ ንኣትወሉ የለን፡ድማ ይብሉ መራሕቲ ሃይማኖት።እዚ ጉዳይ እዚ እንበኣር ጸረ ቤተ ክርስትያን ዘይኮነስ ጸረ እቶም ንኽንደይ ዓመታት ዘገልገልና ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ኣ ዝተገብረ ኮይኑ ተሰሚዑኒ፡ ስለምንታይ መንግስተ ኤረትራ ኣብ ዘየክስበና ጉዳይ የእትወና ኣሎ ጥራህ ዘይኮነስ ሃደሽደሽ ኣቢሉ ኣብ ዘፍረሰና ጉዳይ የእትዩና ይርከብ።
ሎሚ ዝብሎ ተልዩ እንበኣር ኩቡር መንግስተ ኤረትራ በጃኻ፡  ጉዳይ ኦርቶዶክስ ፍታሕ ዲለየሉ፡ካብቶም ብንጽህና  ኣብ ኩሉ ክፍለ ዓለማት ዘገልግሉኻ  ዘለዉ እውን ኦርቶዶክሳውያን ምዃኖም ኣይትዘንግዕ።ፍታሕ ዲለየሉ ጥራሕ ዘይኮነ ነቶም ተኣሰሩ ፓትሪያርክ ምስ 4 ካህናቶም ፈቲሕካ  ሰላም ሃበና ብድሕረኡ መንግስተ ኤረትራ ኢሎም ተልዒሎም፡እዚ ገይሩ ንዝብሉ ባዕልና ደው ኢልና ኣብ ፖሎቲካ ኣይትእተዉ ኢልና ጎዘሞ ሒዝና ክንጎዮም።ተኣበኻ ግን ዓር ይብለኪ ክር ይብለኪ ተኣበኺ  ንዝብኢ ይህበኪ ምኻኑ ከተንብሃልካ ንደሊ። ብተወሳኺ ነዛ ሓሳበይ ከይቆረጽኩም ከተቃልሕዋ ኣብተን ናይ መንግስቲ ይኹና ዋላ ተቃወምቲ ሰዲደያ ኣየቃልሕዋን ንዓኹም ከኣ ክፍትነኩም እየ።ስለዚ ናብ ህዝቢ ኣብሉለይ።
                          ሓደ ኦርቶዶክሳዊ  ኣባል መራሕቲ ጉጅለ ህግድፍ ካብ ኣውረጳ
                  ሃይማኖትና ፈጣሪ የጽንዓልና!
                    dmstiorthodox@gmail.com