Thursday 16 August 2012

hi holiness Abune paulos 5th Patriarch the etiopian orthodox last night !!!.

hi holiness Abune paulos 5th Patriarch the etiopian orthodox  last night !!!.

Addis Ababa: His Holiness Abune Paulos, Patriarch and Catholicos of the Ethiopian Orthodox Tewahedo Church, Archbishop of Axum and Ichege of the See of Saint Teklehaimanot passed away last night in Addis Ababa, Ethiopia. He was 76 years old.Official sources has confirmed the demise of the Patriarch .The Patriarch was seriously ill and was admitted to the Dejazmach Balcha Hospital in Addis Ababa.It has been reported that the Patriarch has been undergoing a medication for a long time.
May Lord have mercy upon the soul of His Holiness Patriarch Abune Paulose of Ethiopia.
Read More about the Patriarch in Wikipedia:
 dmsti orthodox@gmail.com

Wednesday 15 August 2012

ሕድሽ ናይ ግብጺ ፕረሲደንት እስልምና መንግስታዊ ሃይማኖት ምዃኑ ዝገልጽ ሕጊ ምጽዳቑ ክኹነን ኣለዎ!!!


ሕድሽ ናይ ግብጺ ፕረሲደንት እስልምና መንግስታዊ ሃይማኖት ምዃኑ  ዝገልጽ ሕጊ ምጽዳቑ ክኹነን ኣለዎ!!!

 ናምስልምና ኣኽራርን ኣብ ግዜ ስልጣነ መንግስቲ ሙባርክ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዝነበረን : መሓመድ ሙርሲ ናብ ስልጣን መጽዩ ካብ ዝተባህለሉ  ግዜ ኣትሒዙ፡ ናይ ግብጺ ክርስትያናት ኣብ ከቢድ ፍርሕን ሸቀልቀልን ኣትዮም ይርከቡ !።
ናይ ግብጺ ኮፕቲክ ክርስትያናት ኦርቶዶክስ 18 ሚሊዮን ይበጽሑ። (2) ክልተ ሚልዮን ዝኣኽሉ ኣብ ወጻኢ ስደት ክርከቡ ከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ግን ኣብታ ብ ኣመንቲ ምስልምና ኩሉ ግዜ ደም ክርስትያናት እተፍስስ ግብጺ ይርከቡ።።
ግብጺ ክሳዕ 640 ዕ/ም 100% ኮፕቲክ (ተዋህዶ) ኦርቶዶክ ተኸተልቲ ዝነበሩዋ ክርስትያናዊትሃገር ክትነብር ከላ፡ኣብ ግዜ ወራር እስላም ግን ብግዲ ናብ እስልምና ህዝባ ብሰይፍን ብ ተፈላለየ ግፍዕን ገለ ጸኒቱ ገለ ድማ ሞይቱ፡ዝተረፈ ኸኣ ሃይማኖቱ ቀይሩ።እስላም ኣብ ሓንቲ ወቅቲ ጥራሕ (35,000) ሳላሳን ሓሙሽተን ሽሕ  ኦርቶዶክሳውያን ተዋህዶ ቀቲሎም።ካብኡ ድማ  ብዙሓት ሃይማኖቶም      ቀይሮም!።                                 
ቁጽሪ ክርስትያናት እውን እንዳወሓደ መጺኡ ይርከብ።እዚ ኮይኑ ክቅጽል ድሕሪ ምጽናሕ ግን፡ ግብጺ ኣምላኽ ኣይገደፋን እቲ ግፍዒ ካብ ግዜ  ጀማል  ዘይሓይሽ እኳ እንተኾነ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ሙባርክ ዝሓሸ  ነይሩ። ፡ካብዚ ናይ ግብጺ ምንቅስቃስ ኣትሒዙ ዝመጽእ ጸረ ሞባርክ ግን ነገራት ይቃያየር ኣሎ።ኩሎም ክርስትያናት ኮፕቲክ ሶርያ ኦርቶዶክስ፡ግሪኽ ኦርቶዶክስ፡ሮማ ካቶሊክ፡ፕሮቴስታንት፡ ካልኦት ናእሽቱ ግሩብ ክርስትያናትን ኣብ ሓደገኛ ጉዳይ ወዲቆም ይርከቡ።
ነዚ መጻወድያ እዚ ኣብ ምርቃቅ ዝርከብ ሓድሽ ናይ ግብጺ  ሕገ መንግስቲ  ዓንቀጽ2፡ እስልምና ናይ መንግስቲ ሕጊ ምዃኑ ብምቕማጡ እዩ።እዚ ማለት ኣብ ግብጺ ብዘይካ ናይ እስልምና ናይ ካልእ ምንቅስቃስ ካልእ ኣይፍቀድን ማለት እዩ።ክርስትያን ፖስት ዝተባህለ ጋዜጣ ከም ዝመዝገቦ  ከምዝ ክብል ይገልፅ ።”ሕጊ ዝጸድቅ ብ እልምና ሃይማኖት ዝብሎ፡እዩ። ማለቶም እዩ። እታ ሃገር ብናይ ሸሪዓ ሕጊ ክትመሓደር ኣለዋ ማለት እዩ።ክርስትያናት እውን በዚ ናይ ሸሪዓ ሕጊ ብዝፈቅደሎም ክንቃሳቀሱ ኣለዎም ማለት እዩ።በዚ መጠን  ግብጻውያን ኦርቶዶክሳውያን ከም ዜይጋታት ዘይኮነ ከም  ባራዩ ኣብታ ቅድሚ እስልምና ዝተፈጠሩላ ሃገር በቶም ስደተኛታት ኮይኖም ዝመጹ እስላም ከም ባራዩ ክነብሩ እዮም ማለት እዩ”።ይብል ክርስትያን ፖስት።
መሓመድ ሙርሲ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ክተክል እየ ኢሉ እዩ ቃል ኣትዩ ኣብ ስልጣን ደይቡ።እንተኾነ ነቲ ኣብ ግዜ ሙባርክ ነበረ መሰል ፍጹም ደምሲሱዎ ይርከብ።ዘሕዝን ፍጻመ ንዓና ን ኤረትራውያን ክርስትያናት እውን ሓደ ዓቢ መምሃሪ ኮይኑና ኣሎ፡”መለበምን ኣይኽላእካ መለበምን ከ ኣይግበርካ” ከም ዝበሃል ከምዚ እዩ።
ኣደናቒ ዝኾነ ኣማኒ ኣምላኽ ይጥቀመሉ እዩ ፡ኢልካ ዘይትሓስብ ሕጊ ሸሪዓ!፡ንዝሰረቀ ኢዱ ምቅራጽ፡ብዝሙት ንዝተረኽበ ብዳርባ እሞኒ ምቅታል፡ካብ እስልምና ናብ ክርስትና ንዝኣተወ  ድማ ኣይምለስን ተደኣ ኢሉ፡ ምሕራድ፡ምጉሱቋል፡ እዩ ዝብል።ሰላፍን ዋላኳ “ክርስትያናት ናብ እስልምና ክኣትዉ ኢዮም” ኢሎም ፡እምነት ተዘይብሎም ፡ክርስትያናት ነታ  ሃገር ገዲፎም ናብ ካልእ ንኽስደዱ ተጽዕኖን  ጸቅጥን ምፍሪራሕን ይገብሩ ኣለዉ ።
ግብጻውያን “ግብጺ ትኣክል ዓባይ ዓረባዊት ሃገር ኣብ ውሽታ ክርስትያናት ከንብሩ ከመይ ገይሩ ይኸውን” ዝብል ስነ ሓሳብ እዩ ዘለዎም።ኣሕመድ ዲዳት ዝተባህለ ናይ እስልምና ቀንዲ ሰባኺ ኣብ ሓደ ወቅቲ ኣብ ዝሃቦ ትምህርቲ ፡”ናይ (ዓረብ ሊግ)ማሕበር ሃገራት ዓረብ ዋና ሓያል ዝኾነት ግብጺ ኣብ ውሽጣ ሚልዮናት  ክርስትያናት ምህላዎም ናይ ሞስሊማዊ ዓለም ስንፍና ውጽኢት እዩ” ብምባል ብቁጠዐ ይዛረብ።
ኣብ ሊባኖስ ሒዝቦላ፡ኣብ ፍሊስጠም ሓማስ፡ኣብ ግብጺ ሞስሊም፡ብራዘርስ፡ኣብ ኢትዮጵያ ሰላፍን፡ኣብ ኤረትራ እውን ናይ መጃሂዱን ምንቅሲቃሳትን፡ከም እኒ ኣልናህዳ ዝበሉን ኩሉ ዝተኣሳሰረ ፖሎቲካዊን ሃይማኖታውን ርክብ ከም ዘለዎም ዝፍለጥ እዩ።ኣብዚ ናይ ማእከላ ምብራቅ ኣከባቢ፡ ኣብታ ዓንድን መበቆል ተዋህዶን ዝኾነት ግብጺ ሞርሲ ምቅማጡ ጽባሕ ንግሆ ንክርስትያናት ዓቢ ስግኣት እዩ።ብጣዕሚ እዩ ጾምን ጸሎትን ዘድሊ።
እዚ  ታሪኻዊ ፍጻመ እዚ ንዓና ን ኤረትራውያን፡ዓቢ መለበሚ እዩ።”ጎረበትካ ጭሕሙ ክላጸስ፡ጭሕምኻ ማይ ልኸ” ከም ዝበሃል።ዋላኻ መንግስቲ ኤረትራ ደው ኢልና ተተቃወምናዮ፡ከቢድ ግፍዒ ኣብ ልዕሌና ይፍጽም ተሎን፡ ክንጥንቀቅ እዩ ዘሎና።ኣተሓሕዛ ኦርቶዶክሳውያን ኣብዚ ጉዳይ ብጣዕሚ እዩ ጥንቓቀ ዘድልዮ!።ገለ ሰባት ን መንግስቲ ኤረትራ እንዳ ተቃወምና ን ተቃወምቲ ኤረትራ ከነተባብዕ ጸኒሕና ኣለና።ግን  ተቃወምቲ ኤረትራኸ ንዝብል፡ ህድእ ኢልካን ኣስተውዒልካን መልሲ ዘድልዮ እዩ።ን ኦርቶዶክስ ብጣዕሚ እዩ ስግኣት ዘለና ዝገደዱ እውን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።ኣብ ሞንጎ ተቃወምቲ ኤረትራ  ኣኽረርቲ እስላም ኣለዉ። ኤረትራ ብሸሪዓ ክትመሓደር ኣለዋ፡ ኤረትራ ዓረብ እያ፡እስላማዊት ሃገር እያ ዝብሉ ምህላዎም።መጻኢት ኤረትራ ክሳዕ ክንደይ እያ ፡ን ክርስትያናት ብፍላይ ድማ ን ኦርቶዶክስ ውሕስቲ ትኸውን ዝብል ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ከነስተውዕል፡ ናበይ ንጓዓዝ ኣለና ክንፈልጥን የድሊ።
እቶም ትማሊ” እስላምን ክርስትያንን ሓደ ኢና” ዝብሉ ነበሩ ሰልፈኛታት ጎደና ኣልታሕሪር ሎሚ ናበይ ኣበሉ።ኣብ ግብጺ “ክልተ ሃይማኖት እየን ዘለዋ” ኢሎም ይጭርሑ ነሮም ሎሚ ኸ እንታይ ኮይኖም ዘይወጹ??።መንግስቲ ኤረትራ ን ቤተ ክርስትያና መሰላ ይገፍፍ ፡ፓትሪያርክ ዘለዎም ክንደይ ሓያላት ሙሁራን ካህናትን፡ ሞነኮሳትን፡ከምኡ እውን ብዙሓት ክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሲሩ ኣሎ።ኮይኑ ግን ዝመጽእ ከ ምናልባሽ ንኹልና  ዝኣስር ይኸውን??።
ስለዚ መንግስተ ኤረትራ መሰል ሃይማኖት፡ መሰል ሰባት፡ ከኽብር ጥራሕ ኢዩ ጸቅጢ ዘድልዮ።፡እንተ ፖሎቲከኛታት ኤረትራ ግን ኩሎም ውሽጦም ሪኢናዮምን ፈቲንዮምን ኢና።ኣምላኽ ተዘይ ረዲኡና ካብ ረምጽ ናብ ጓህሪ ክኸውን እዩ!!።ክሳዕ ህጂ ኣብ ልዕሊ መንግስተ ኤረትራ ከነቃልዕን ክንቃወምን ጸኒሕና። ተቃወምቲ ኤረትራ እውን ተሪኢኻዮም ዝገደዱ ሓደገኛታት ኣብ ልዕሊ ክርስትና እዮም።ስልጣኖም እንበር ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ኣይዕጅቦምን።
ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክስ ጽልኢ ኣለዎም።ካብ መንግስተ ኤረትራ ብዘይንእስ፡ተቃወምቲ ኤረትራ ኣብቲ ዝገብሩዎ ሰለማዊ ሰልፊ ተኣሰሩ ሸኻትን ፖሎቲካውያን እሱራትን ሒዞም ሰልፊ ክገብሩ ነቶም ተኣሰሩ ካህናትናን ሞነኮሳትናን ግን ዘኪሮሞም ኣይፈልጡን።እተን ማዕከናት ዜይናኦም እውን ተንከረስ ኢለን ዝኹሉ እንዳፈተሻ እንዳ ኣቃለሓን ነቲ ኣብ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ተገብረ ዓለም ዝኾነነቶ ከም መንግስተ ኤረትራ ኣየምጽእኦን።”ተቃወምቲ ግብጺ እዚ ገበሩ” ክብላ ግን ኣጽሚመናና ነይረን ።ናይ ዓለም ምሉእ ማዕከናት ዜና ክዛረባ ከለዋ ነቶም ኣብ ቤተ ክርስትያን ብ ቦምባ ዝጠፍኡ  ሰማእታት ኦርቶዶክሳውያን ኣልዒለንኦም ኣይፈልጣን፡ኣብዚ ኣብ ሶርያ ዝግበር ዘሎ ድማ ነዚ ኹሉ ዝዓኑን ፡ዝቅተልን፡ ዘሎ ኣምጺአንኦ ኣይፈልጣ፡ብተወሳኺ ድማ  ዝነዱ ዘለዉ ደብሪታትን ፡ዝቅተሉ ዘለዉ፡ ካህናትን ኣቃሊዐን ኣይፈልጣን።እዚ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ክርስትና ዘለዎም ጽልኢ ኢዩ።
ዋላኻ ክትሓቅፎም ተበልካ ንሶም ግን መሊሾም ዘንጋሕጥጡ፡ጠውዮም ጠዋውዮም መሳርሒ ፖሎቲካኦም ክገብሩኻ ዝጽዕሩ፡ካልእ ድሕሪ ባይታ ዘለዎም እዮም።ተቃወምቲ ኤረትራ ክሳዕ ብ ማስምድያኦ ናይ ሃይማኖት ሰባት ክንከውን ኣይንደልን ኢና ዝብሉ፡ ስምዒታውያን እዮም።ነቲ ክንደይ ካህናት ዝገብሩዎ ዘለዉ።ስለ መሰልን ፍትሕን ክንዲ ዝርእዩ ድማ ኦርቶዶክሳውያን ኣቅሽቲ እዚ ገበሩ እንዳበሉ ጽባሕ ን ኦርቶዶክስ ንምቅጻዕ።ከምቲ ህግደፍ ኣብ በረኻ ኸሎ፡ ኦርቶዶክስ ጸረ ናጽነት ኤረትራ እዩ፡ዝብል ነበረ ንሶም እውን ነዚ እዮም ዝደግሙ ዘለዉ።ገሊኦም ከኣ ምስተን “ኤረትራ ብሸሪዓ ክትመሓደር ኣለዋ”። ኢለን ዝውዝቃ እስላማውያን ውዱባት ኪዳን ዝኣተዉ እውን እዮም።
ነዚ ቤተ ክርስትያን ስቅ ኢላ ክትርኢ ኣይግባእን ህዝባ ከተረድእ ኣለዋ።ደስ ከም ዝበሎም መታን ከጣፋፍኡን ክሰርቁን፡ንጽባሕ ድማ ክበልዑናን ስለ ዝምነዩ ድማ እዮም ኣብ ፖሎቲካ ሃይማኖታዊ ሰብ ክዛረብ የብሉን ዝብሉ ዘለዉ።ተቃወምቶም ይኹኑ ዋላ ህግደፎም ኣብ ልዕሊ ክርስትና (ኦርቶዶክስ )ሓደ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም።፡ስለዚ ንሕና ፓርቲ ከነቅውም ምስኦም ኣብ ፖሎቲካ ክንውዕል ዋላኳ ተዘይ ተገበአ፡ ንህዝብና እንታይ ይመጾ ኣሎ ክንሕብር ግን ሓላፍነታውነትና እዩ።ተበለጽቲ ፖሎቲከኛታት ነዚ ብጣዕሚ እዮም ዝብለጽሉ።ስለዚ ህዝቢ ኤረትራ ትጽቢቱ ኣብ ኣምላኽ ጥራሕ ክኸውን ኣለዎ።ናብ ኣምላኽ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ግዜ ሎሚ ክጽሊ ክኽእል ኣለዎ።ስቅ ተዘይ ኢሉ ግን ማሕረዲ ኣገልገልቱ ክርኢ ኢዩ።ምብራስን ምጥፋእን እምነቱ ክርኢ ኢዩ።
ኣብዚ ሰዓት እዚ ኢትዮጵያ ብ ሰላፍን ትህወኽ ኣላ፡ ንዓና ኸ ጽባሕ ዝብል ክንፈልጥ ኣሎና።ንዓና መን ነገሰ ኣይኮነን ሕማምና ሃይማኖትና ብኸመይ ትነብር ጥራሕ እዩ።ስለዚ ምምጻእ መሓመድ ሙርሲ ናብ ስልጣን ን ምብራቅ ኣፍሪቃን ከምኡ ኸኣ ን ማእከላይ ምብራቅ ሓድሽ ኣብ የእምሮ ኩሉ ሰብ ዘይተሓስበ ሽግር ከምጽኣሉ እዩ።ግብጺ ኣብ ዞባና ዘለዋ ሓይሊ ከቢድ ምዃኑ ክንዝንግዖ የብላናን ግብጺ ክሳዕ ዘላ ስገኣት ኣሎ።ስግኣት ክሳዕ ዘሎ ኸኣ ጾሎት ከድሊ እዩ ።ድሕሪኡ ድማ መስቀልካ ምልዓል ን መስቀልካ ምስካም ድሉው ምዃን ከድሊ እዩ።።
ስለዚ ዋላ ኣብቲ ብ ሰንኪ መንግስተ ኤረትራ መጺኡና ዘሎ ሽግር እውን ነገርና ምስ ኣሕዋትና ባዕልና ደኣ እንበር ቤተ ክርስትያን መጺኦም ዘይፈልጡ ፖሎቲከኛታት ክፈትሑልናን ክኣትዉናን ከነፍቅደሎም የብልናን።መንግስተ ኤረትራ ከዛራሪበና ተደልዩ እውን ድሉዉነትና ብምርኣይ ነገርና ባዕልና ክንዛረበሉ ኣሎ።
ካብቲ ዘገርም ሓደ ናይ ቀደም ኣብ ሓንቲ ሃገር ናይ ተቃወምቲ መንግስተ ኤረትራ ነበረ ቤተ ክርስትያን፡ በቲ ተቃወምቲ ኢና እንዳበሉ፡ በቲ ኸኣ ነቲ ብዘይ ሕጊ ናብ ስልጣን ን ኦርቶዶክስ ንምህዋኽ ዝመጸ ኣርተፍሻል ናይ ሓሶት ፓትሪያርክ ከም ወግዓዊ ምቅባሎም ኢዩ።ነዚ ዘርእየካ ተቃወምቲ ኤረትራ ብዘይካ ስልጣንን ሰብ ከመይ ገርካ ትሕዝን ካልእ ፍጹም ሓሳብ ከምዘይብሎም እዩ።ስለዚ ዋላ ናይ ተቃወምቲ ኤረትራ ዕላመኦም እዚ ኢልካ ኣይፍለጥን።ምስ ናይዚ ኹሉ ከም ክርስትያናት ቤተ ክርስትያናት መጺኦም ዘይፈልጡ፡ብዛዕባ ቤተ ክርስትያን ይዛረቡ እዚ ህዝቢ ንምድህላልን ንምስራቅን ደኣ እንበር ፡ብዛዕባ ሃይማኖትና ሽጊሩዎም ኣይኮነን።እንተ እቶም እስላማውያን ተቃወምቲ ግን ኣብ ግዜ ስግዳኖም ኣብ መስጊድ ኢኻ ትረኽቦም።ስለዚ ኦርቶዶክስ ረዲኤታ ኣምላኽ  ጥራሕ እዩ።ነዞም ተቃወምቲ ክንኣምን የብልና ን መንግስተ ኤረትራ ክንኣምን የብልና።ን ኣምላኽና ኣሚና ናብኡ ጥራሕ ንጸሊ።
 እንተ ግብጺ “እስላማዊ ሃገር እያ” እንዳበለት ዳግማይ ንብዓት ክርስትያናት ከተፍስስ ትህንደድ  ኣላ፡ ጽባሕ ከ??። ኣምላኽና ዝታኸስ ኣምላኽ ኣይኮነ።(ኢሳ5፡27)(መዝ 12፡3)(መዝ 121፡4)።ንኹሉ ንምርኣይ ምቅናይ።ግን ቃል ኣምላኽ ንኽፍጸም እዩ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዝበሎከ ናበይ ክተርፍ።(ሉቃ21፡12)።ወይ እውን ነብይ ኢሳይያስ ዝበሎ ምዕራፍ 19 ደኾን ክፍጸም ኮይኑ ክርስቶስ ነቶም ደቁ ቅድም መከራ ብስደት ኣምሲሉ ከውጽኦም ደልዩ?? ይኸውን እውን።እታ መልሲ  ኣላ ኣምላኽ ጥራሕ እዩ  ኸዓ ዝፈልጦ።
             ወለቱ ስብሃት
             ዘ-ማርቆስ

           dmstiorthodox@gmail.com

Tuesday 3 July 2012

መንግስቲ ኤረትራ ሕቶ ፓትሪያርክ ፍታሕ ተገይሩሉ ካብ ሃይማኖት ኢዱ ተዘውጽ፡ ምስ መንግስቲ ዘሰሓሕበና ኣይምሃለወን፡ ኣንጻሩ ዝኾነ ዝግበር ደው መበልናዮ ነርና ይብሉ ገለ መራሕቲ ኦርቶዶክስ ::


"መንግስቲ ኤረትራ  ሕቶ ፓትሪያርክ   ፍታሕ ተገይሩሉ ካብ ሃይማኖት ኢዱ ተዘውጽ፡ ምስ መንግስቲ ዘሰሓሕበና ኣይምሃለወን፡ ኣንጻሩ ዝኾነ ዝግበር ደው መበልናዮ ነርና" ይብሉ ገለ መራሕቲ ኦርቶዶክስ ::
ብዙሓት ወሰንትን ተሰማዕትን ካህናት  መራሕቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን  ኤረትራ። "መንግስቲ ኤረትራ ን ፓትሪያርክ እንጠንዮስ ተፈቲሑን ነቲ ናብ ተዋህዶ ክሕግዘኩም እዩ ኢሉ ዘምጸኣልና ኣቶ ይፍታሀ ዲመጥሮስ ካብ መንበረ ፓትሪያርክ ኣውጺኡ ነታ ቤተ ክርስትያን  እንድሕሪ ለቂቁዎም ፡ካብ ብዘሎ ጽልዋን ጸቅጥን ተተሓሪሙን መንግስቲ ኤረትራ በየናይ ስርዓት ንሃገረ ኤረትራ ይምርሓያ ኣይምተዛረብናን"፡ "እዚ ጉዳይ ፖሎቲካ ናይ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ክንዛረብ ኣይምደለናን ፡ ዘገድደና ዘሎ ግን መንግስተ ኤረትራ ኣብ ጉዳይና ይኣቱ ስለ ዘሎን ንሓድነት ሃገር ብዝገማምዕ መገዲ ነታ ቤተ ክርስትያን ከም ሞግዚቱ ብምጥቃም ሓድሽ ፓትሪያርክ ዳግማይ ንኽመርጹ  ብምድፍፋኡን ብ ኣቶ ይፍታሀ ገይሩ ስለ ዝሃወኸና እንበር መንግስትና ምስ ፈተና ኣይምጸላእናን" ይብሉ።
እዚ ካብ ገለ ካህናት ተዋህዶ ዝወጽእ ዘሎ ቃላት ግን ስለምንታይ እዩ መንግስተ ኤረትራ ክኸስበሉ ዘይፈተነ፡ከም ዝፍለጥ ብሰንኪ ሃይማኖት ምትንካፉ ዝመጸ ሰበብ ዋላ ኣብ እቶም ፎቶ ፕረሲደንት ኣብ መተርኣስና ገርና ንነብር ነበርና ምእመናንን ከምኡ እውን ዝውዕሉ ነበሩ ካህናትን ምእመናን  ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ልብና ክስንብር ጀሚሩ ኣሎ።ኣብ 2011 ሓደ መንእሰይ  ቀስ ክዛረብ ከሎ ተዓዲሙ ኣብ ናይ ህዝቢ  ኣብ ፓልቶክ ደምበ መንእሰይ ን ደሞክራስን ፍትሕን ተዓዲሙ መጺኡ መግለጺ ኣብ ዝህበሉ ነበረ ግዜ ምስ ተሓተት ዝበሎ ተነይሩ  እዚ ዝጠቀስኩዎ እዩ።ስለምንታይ ግን መንግስተ ኤረትራ ብ ሓቂ ቅሳነትን ሰላምን ህዝቢ ዝፈቱ ተኾይኑ ከምዚ ዝበሃል ዘሎ ዘይገበረ።
እንታይ እዩ ኸ ዝኽሰቦ ልዕሊ እዚ ዝኸስሮ ዘሎ ዓለማዊ ይኹን ውሽጣዊ ክሳራታት፡ዝዓበየ ድማ ኣብ ደገፍቱ ሞሮላዊ ክሳራ፡ ይፈጥር ኣሎ።ከም መንግስቲ መጠን ከ  ስለምንታይ ንረብሓ ህልውና ሃገርን መጻኢ ህላወ መንግስትን  ዘይሓሰበ።ካብቲ 80% ህዝቢ ን መንግስቲ ነጺልዎ ዘሎ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ቤተ ክርስትያን ጦብሎቅ ብምባሉ እዩ።ኣብ ወጻኢ ተሪኢና 99.9 ነቲ መንግስቲ ኤረትራ ኣብ ልዕሊ ኣቡነ እንጠንዮስ ዝገበሮ ዓመጽ ዋላ እቶም ቀንዲ ደገፍቲ  እውን ይኹኑ ይቃወም።ዋላ እዞም ሎሚ ሕተኦም ካብ መዓልቲ ናብ መዓልት እንዳ ኣትረርዎን ንሕና ኢና ስቅ ኢልና ተዓጊስና እንበር መሰል ሰብ ካብ ምግፋፍ እውን ኣይተቆጠበን እዚ መንግስቲ እዚ ዝብሉ ዘለዉን ገለ ተሰማዕቲ ካህናት እውን ሕተኦም ብጸማም እዝኒ ብምጽቃጡ  እዩ።ከም ፖሎቲከኛ ኣነ ቀዳምነት ረብሓና ምጠመትኩ ረብሓና ከኣ ካብ ህዝቢ ከይንንጸል ምስትውዓል እዩ።
ኣነ እውን ን መንግስተ ኤረትራ  ብ ፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ፕረሲደንት ጽቡቅ ኣወንታ ዘለኒ ሰብ እየ ነይረ ግን ብምንታይ ክድግፎ ይኽእል በቃ  ነእምሮይ ምእማን ስኢነዮ።።ግድን እንዳፈተኹዎ ከለኹ ሓቆም እዮም እባ እዞም ዓገብ  ዝብሉ፡ተቃወምትስ ስልጣን ደልዮም በለና፡ እዚኦም ከ እዞም መራሕቲ ሃይማኖት እሞ ድማ ገለ ብፍላይሲ ብ ውልቂ ካብ ህጻንነቶም እንፈልጦም ፡ስድረኦም እኳ ደኣ  ሰበስልጣን ዘለዉዎም፡ገለ ኸኣ ከቢድ ፍቅሪ ኣብ ልዕሊ ፕረሲደንት ዘለዎም ወረ ገሊኦምሲ መኪና ብ ኢድ ፕረሲደንት ዝተዋሃቡ የዕሩኽ ፕረሲደንት እዮም ፡ክንደይ ንፈልጦም ስለ ሓቂ ክሳዶም ዘሕልፉ ተበዓትን ተረርትን ሰባት እዮም።ነዚኦም ከ እንታይ ኢና ከነመኽንየሎም !።ብምባል  ክንድግፎም ብምግዳድ ነቶም ብ መንግስቲ ዝድገፉ ድማ ክንጽየፎም መሪጸ።
መንግስተ ኤረትራ ኾነ እቶም ብኡኡ ዝድገፉ ገለ መራሕቲ ሃይማኖት እኳ ክዛረቡ ኣየጓነፈንን ግን ገለ  ካድራትን ሰዓብቱ መንግስትን   ኤረትራ ኣብ  ፓትሪያርክና ዝገበረቶ ንቃወም ኢና ይብሉ። ወሲኾም ድማ  እዞም ነዚ ሕቶ ዝሓቱ ዘለዉ ካልእ ዕላማ ኣለዎም ይብሉኻ።እዚኣ ካብ ዓበይቲ ሰበስልጣን ኤረትራ ከይተረፈ እኳ ደኣ መራሕቲ ክፍለ ሰራዊታት ዝሰማዕኩዋ እያ።ስለምንታይ ግን መንግስተ ኤረትራ ነዚ ሕተኦም ዘይምልሶ፡ ማለት ፓትሪያርክ ካብ ቤተ ማእሰርቲ ኣውጺኡ፡ናብ በትኡ ብምምላስ ነቲ ዝቃወሙዎ ዘለዉ  ኣቶ ይፍታሀ ድማ ኣልጊሱ ተኣሰሩ ካህናት ብምፍታሕ ነቲ መዛረቢ ኣርእስቲ ዘይዓጽዎ።ደሓር ድማ ንሕና ዋእ ህጂኸ ታይ ደሊኹም ንብሎም። ንሕና ነዞም ፖሎቲካ ዓብዮም ንእሽተኦም ክንምክቶም ንኽእል ኢና፡ ን መራሕቲ ሃይማኖት ግን ከቶ ክንረትዖም ዘኽኣለና  ኣይተረኽበን ሃይማኖት ዋጋ ዕዳጋ ስለ ዘይኣቱ።
ኣነ ንባዕለይ ካብቶም ካብ ግዜ ቃልሲ ኣትሒዘ ክሳዕ ህጂ ተጋደልኩ ሓፋሽ ውዱብ እየ፡መራሒ ጉጅለ  ድማ እየ ኣብ ህግድፍ ግን  ንሕና እዚ ዝሓትዎ ዘለዉ ኣቦታትና ሓቂ እዩ።ብኸመይ ዓይኒ ኢና ትጋገዩ ኣለኹም ኢልና ከነረድእሞ ነዞም ካህናት ገይጋ ኣብ ገዛና ከሎ።እንታይ ከ ገደሶ ት መንግስቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዶ ዋላ ግንዕፍሪት ።ብሓቂ ዘሕዝን እዩ።መንግስቲ ኤረትራ ነቲ ንፈትዎ ዉዱብ ህዝባዊ ግንባር ክንጸልኦን ክንጣራጠሮን ይገብረና ኣሎ።ናይ ታሪኽ ተሓታቲ  ድማ ክኸውን እዩ ።ነዚ ጉዳይ ብቅልጡፍ ተዘይ ኣልዩዎ፡ምስ ሓደ ፈላሲ ሃላሊኽካ ን ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ክግበር ካብ እቲ ከም በሊሕ እንፈልጦ  ህዝባዊ ግንባር ኣይንጽበዮን!።ህጂ እውን መንግስቲ ነዚ ጉዳይ እዚ ክሓስበሉ ኣለዎ።እንተ ዶላር እዮም ኣመሪካ ሂባቶም  ኢልና ምዝራብ ግን ዳርጋ እቲ ህዝቢ ሓቂ ትኹን ሓሶት ፍጊዕ ኢላቶ እያ።ሓደሽ ሃይማኖት እዮም ክምስርቱ ደልዮም ንዝብል እንካ ክሳዕ ብድፍረት ኣቦኻ  ከምኣ እንዳበለ ሞተ  ኢለን ደው ኢለ ዝመለሳልና ኣዴታት እውን ኣለዋ።እተን ካብ ህዝቢ ተፈንፊነን ነበራ ዉዱባት  ንባዕለን ነዚ ከም ዘይሓልፍ ይምዝምዘኦ ኣለዋ።ንሰን ከይምዝምዝኦ ክንብል ግን ሃይማኖትና ዋጋ ዕዳጋ ንኣትወሉ የለን፡ድማ ይብሉ መራሕቲ ሃይማኖት።እዚ ጉዳይ እዚ እንበኣር ጸረ ቤተ ክርስትያን ዘይኮነስ ጸረ እቶም ንኽንደይ ዓመታት ዘገልገልና ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ኣ ዝተገብረ ኮይኑ ተሰሚዑኒ፡ ስለምንታይ መንግስተ ኤረትራ ኣብ ዘየክስበና ጉዳይ የእትወና ኣሎ ጥራህ ዘይኮነስ ሃደሽደሽ ኣቢሉ ኣብ ዘፍረሰና ጉዳይ የእትዩና ይርከብ።
ሎሚ ዝብሎ ተልዩ እንበኣር ኩቡር መንግስተ ኤረትራ በጃኻ፡  ጉዳይ ኦርቶዶክስ ፍታሕ ዲለየሉ፡ካብቶም ብንጽህና  ኣብ ኩሉ ክፍለ ዓለማት ዘገልግሉኻ  ዘለዉ እውን ኦርቶዶክሳውያን ምዃኖም ኣይትዘንግዕ።ፍታሕ ዲለየሉ ጥራሕ ዘይኮነ ነቶም ተኣሰሩ ፓትሪያርክ ምስ 4 ካህናቶም ፈቲሕካ  ሰላም ሃበና ብድሕረኡ መንግስተ ኤረትራ ኢሎም ተልዒሎም፡እዚ ገይሩ ንዝብሉ ባዕልና ደው ኢልና ኣብ ፖሎቲካ ኣይትእተዉ ኢልና ጎዘሞ ሒዝና ክንጎዮም።ተኣበኻ ግን ዓር ይብለኪ ክር ይብለኪ ተኣበኺ  ንዝብኢ ይህበኪ ምኻኑ ከተንብሃልካ ንደሊ። ብተወሳኺ ነዛ ሓሳበይ ከይቆረጽኩም ከተቃልሕዋ ኣብተን ናይ መንግስቲ ይኹና ዋላ ተቃወምቲ ሰዲደያ ኣየቃልሕዋን ንዓኹም ከኣ ክፍትነኩም እየ።ስለዚ ናብ ህዝቢ ኣብሉለይ።
                          ሓደ ኦርቶዶክሳዊ  ኣባል መራሕቲ ጉጅለ ህግድፍ ካብ ኣውረጳ
                  ሃይማኖትና ፈጣሪ የጽንዓልና!
                    dmstiorthodox@gmail.com

Wednesday 27 June 2012

ወይ ንብዓት ሓርገጽ እንዳ ኤልዛቤል።


ወይ ንብዓት ሓርገጽ እንዳ ኤልዛቤል።
                                                                                      ምንጪ ሃይማኖተ ኣበው
ኣብዚ ዘለናዮ ኣዋርሕ ኣብ እቶም ሕጊ ጢሒሶም   ኣምላኽ ንዒቆም ዕርክነት ምስ ኣምላኽ ሸለል ኢሎም ዕርክነት ምስ ንጉስ ዝመረጹ ነቲ ስራሕ ቅዱሳን ዘባላሸዉ ጉጅለ ኢልዛቤል እቲ ከም ኣመሎም ዝጥቀምሉ ነበሩ ናይ ምትላል መድረኽ  ሓደ ሓደ  ክዕጾ ብምጅማሩ፡ ኣብ ዓቢ ዓቅሊ ጽበት ምስቲ ተጸግዕዎ ጎቦ ኣትዮም ኣለዉ። ነቲ ዘታልልዎ ነበሩ ህዝቢ  ከመይ ገይሮም የዕሽዉዎ ሓሶታት ስለ ተወድኦም ናብ  ጸርፍን ምፍሪራሕን ተመሊሶም ናብ ንብዓት ሓርገጽን ኣትዮም ኣለዉ።

እቲ ብውሽጣ ውሽጢ ዝገብሩዎ ናይ ምፍርራሕ መድረኽ  ሓሊፍዎም ድማ በቲ ኣብ ኣመሪካ ዝነብር ቀረባ ልኡኹን ዘመድን ይፍታሀ ዝኾነ ዓወት ፍረዝጊ እትዝርጋሕ ማዕዶት እትብል ብሎጎም ገይሮም ካብቲ ዘለዎም ናይ ሕርቃንን ተስፋ ምቁራጽን ሕሱም ጓህን ከም ልማዶም ነቲ ኣብ ኣትላንታ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ክጸርፉዎን ክረግምዎምነቶም ፓፕ ሽኖዳ ክመርሑና ዝተመዘዙ  ኣቡነ መቃርዮስ ድማ ክትድፈሩ ኢኹም ብምባል ብዓውት ፍረዝጊ ክውጭጭ ጀሚሩም ኣለዉ።

ብዘበን ዉበያ ዝጸመመት እዝንሲ ዉበ እንዳበለት ትነብር ዝብልዎስ ለከ ከምዚ እዩ፡መሳኽን ሰብ ኣትላትና ኣብ ልቦም  እዮም ኣትዮም ዘለዉ፡ንፈርሕ ኣምላኽ ኣብ መንበረ ፓትሪያርክ  ገለ ተኣምር ተገይሩ እውን ኣትላንታ እዮም ገይሮሞ ከይብሉ፡ክብሪ ኣምላኽ ን ኣትላንታ ከይብዎ፡ንፈርሕ ንቅድመና እንብሎም ቤተ ክርስትያን ኣትላንታ ካባኹም ፍልይ ዘብሎም ኣሰር ቅዱሳን ስለ ዝሓዙ ደኣ እዩ እንበር ኣይተምልኽዎም፡ ክሳዕ ክንድዚ ድምጾም ኣየባህርርኩም ንብለኩም። እንተ ምድፋር ን ብጹእ ኣቦና ግን ኣይ ልማድኩምን ሞያኹምን ስለ ዝኾነስ ከምቲ ኣብ ልዕሊ ኣቡነ እንጠንዮኦስ ዝገበርኩሞ ካብ ምግባር ዓዲ ኣይክትውዕሉን ኢኹም፡ደሓር ከኣ ጸገም ምስ መጸ እወ ዘይጎሃና ኣይኮነ ኢልኩም ነቶም ብጹኣን ኣቦታት ከምትስልበጡዎም፡ ንፈልጥ።እንዳ ኢልዛቤል  ኣንኳንሓደ ፍጡርሲ ኣምላኽ እኳ ክደፍርዎ ኣይፈርሑን ነዚኣስ ይኽእልዎ እዮም።ጽድቂ ምግባር ደኣሎም ዘይኽእሉ እንበር።ምሳሌ 12:16: ዘገርም እዩ።



ጉጅለ ኤል ዛቤል ኣብ ልዕሊ ኣቡነ መቃርዮስ ዘይገበሮ እንታይ ስለ ዘየሎ እዩ፡ክንዳፋፈር ኢና ዝተባህለ።እንታይ ዓቅሚ ሃልዩዎም እዮም፡ ጽምብላሊዕሲ ርእሳ ዘይከደነትሲ ባይታ ኸደነት ዝተባህለስ ለካ ከምዚ እዩ።ምስ ዝብኢ ድኹም ስኢልኩም ዘየውጻእኩሞም ዋላ ምስ ቶኽላ ዋላ ዘይተጸረፉ ድዮም እንታይ እዩ ጎዲሉ ኩሉ እቲ ዝግበር እኮ ተገይሩ እዩ።ህጂ እውን ከምቲ ጎይታ ይሁዳ ዝበሎ ንብለኩም ወንጌል ዮሐንስ 13:27 እቲ ትገብሮ ቀልጢፍካ ግበሮም ንብለኩም።

ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብለኩም  ጸአት 23:1:ወረ ሓሶት ኣይተልዕል። ምስክር ሓሶት ክትከውን ኢልካ፡ ኢድካ ምስ ዓማጺ ኣይተልዕል።  ዘገርም ድማ ጉጅለ ኤልዛቤል ፈታሺት ንጽህና ኮይናስ ፡ንጽህናዶ  ፡ገለዶ፡ ኣባ ተስፋልደት በለዶ ዋእ ገሪሙና፡ ወይ ደረጃኻ ዘይምፍላጥ ሃጠው ቀጠው፡ ዋላ ህጂ እውን ኣይተመሃርኩምን ዘለኹም ብኹሉ ተፈንፊንኩም ሰንኪ ሓሶትኩምሲ ህጂ ከኣ ሓሶት ክትምህዙ ትፍክሩ ኣለኹም።ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኢሳይያስ 30:1:ኣቱም ተጻረርቲ ደቂ፡ ወይለኹም፡ ይብልእግዚኣብሄር፡ ምኽሪ ትመኽሩ፡  ግናኸ  ካባይ ኣይኰነን፡ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ክትውስኹስ፡ ኪዳን ትትኣታተው ኣሎኹም፡ ግናኸ ካብ መንፈሰይ ኣይኰነን። ብሓቂ ምሳኹም ዘሎ ሰጣን  ሓንካስ ሰጣን እዩ ኣይወጽእ ኣይኣቱ፡  ስለ ዝሰኣንኩም እንበር ኣበይ ገዲፍኩም ተመጻእኩም ኸኣ ከም ኣቦታትኩም ትሓፍሩ።መልስና ኣቦኻ እዚኣ እንዳበለ ሞተ ጥራሕ ንብለኩም።

ምክያስ 3:[14-15] - :ኣቱም ጠለምቲ ደቂ፡ ኣነ ጐይታኹም እየ፡ ከካብ ከተማ ሓደ፡ ከካብ ስድራ ቤት ክልተ ኣምጺኤ ናብ ጽዮን ከእትወኩም እየ፡ በእምሮን ብምስትውዓልን ከም ልበይ ገይሮም ዚጓስዩኹም ጓሶት ከኣ ክህበኩም እየ እሞ፡ ተመለሱ፡ ይብል እግዚኣብሄር

ዓቅሉ ዝጸበቦ እንታይ ዘይገብር ንሶምዶ ሓሶት ካብ ምምሃዝ ዓዲ ከይውዕሉ ደቂ ኣበው ቅዱሳን ከኣ ካብ ምቅላዖም ዓዲ  ከይንውዕል። ሓሶት ድራር ምሸት ናይ ዘልኣለም ውርደት ዝብል ቃል ንዕኦም ስለ ዝለመዱዎ ኣይንታይኩምን እዩ፡ ስለ ዝኾነ ድማ እዩ፡ ዘታልሉ ባይታ ስለ ተዓጸወ ኸኣ ሃነፍነፍ ዝብሉ ዘለዉ።ቅድሚ ህጂ ነቶም ኣብ ዱባርዋ ነበሩ ኣቡን ምስ መቱ ከም ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ተባረኹ ገይሮም ናይ ኮምፒተር  ርቀት ብምጥቃም መሳኽን ንህዝቢ ኤረትራ ከም ቀደም መሲልዎም ከታልልዎ በታ ልሳነ ተዋህዶ ዝበሃሉ።ብ ማይ ቢሖቅ ማሕበረ ቅዱሳን ዝተቆማጥዑ ፡ብድጎማ መንግስቲ ኤረትራ ዝነብሩ ነቲ ኣብ ስልጣን ኣብ ኣስመራ ኮፍ ኢሉ ዘሎ ንምሕጓስ ብፎቶ ገይሮም ምስ ኣቅረቡዎ ከም ዘቃላዕናዮም ናይ ትማሊ ትዝክሩዎ ሓቂ እዩ፡ሽዑ ንሽዑ እኳ ተኣለይዎ ግን ቅዳሕ ኣብ ኢድና ስለ ዘሎ ህጂ እውን ከነፍሽሎም ድሉዋት ኢና ሎሚ ግን ኣብኡ ትብዓት ስለ ዝሰኣኑ ግዲ ኾይኖም ኣብ ናይ ኣቶ ዓወት ብሎግ ከውጽእዎ መሪጾም ኣለዉ።

እታ  ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ብዝስደድ ገንዘብ እንዳ ተመወለት ንተዋህዶ ንምፍራስን ምርባሽን እትልኣኽ ማሕበር ብላተ ማርያምን ገለ ማሕበር ማርያም እስራኤል ፡ኢሎም ዘታልሉን፡ ገለ እውን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ፡ ቀደም ኣብ ኣስመራ ከይተረፈ ቪዶ ካሜራ ገይሮም  ተሓቢኦም ብምቅዳሕ ናብ መንግስቲ ንጹሃት ዘረክቡ ነበሩ እሞ፡ ህጂ መጺኦም፡ነቲ ዝገብርዎ ነበሩ ርኹስ ስራሕ ዝደግሙ።መንግስትና ሃይማኖትና ኢሎም ዝጭርሑ፡ ንሓቂ ከይሕዙ ዝፈርሑ እትምራሕ ጉጅለ ቅድመ ህጂ ኣብ እስራኤል ማዕሮ ቪዶ ካመራ ገይራ ነቶም ተዋህዶ ኩትሻ መንግስቲ ኣይትኸውንን እያ ኢሎም ደው ዝበሉ ተበዓት ኣስማቶም ስእሎምን ቀዲሓ ናብ ፡ሃገራዊ ድሕነት  ኣስመራ ኣብጺሓቶ ምንባራ እውን ነጊርናኩም ነርና ኢና።

ህጂ ግን እንታይ ይገብር እታ ዘይትነዓቅ ሓቂ ክትስዕር ጀሚራ ኣብ ቅድሚ እቲ ዘታልልዎ ህዝቢ ከተፈድሖም መዓልታ ሓልያ ደበኽ ኢላ ኣላ።ይውጋሕ ጥራሕ ጋና ኣሎ ንስኹም ትገብሩዎ ሰብ ዘይፈልጦ ክንደይ ንጹሃት ዘየትሓዝኩም፡ ኣብ ኤረትራ ኾነ ኣብዚ ዘለኹሞ ክንደይ ሰንኩኹም ዘይተጨውዩ።ክንደይ ስድራቤታት ሰንክኹም ዘይጸነታ።

ገሪሙና ዘሎ ግን ነታ ዝጸርፍዋ ነበሩ ቤተ ክርስትያን ኣለክሳንደርያን  ቅዱስ ኣቡነ ሽኖዳን መናፍቅ ኢሎም ዝጸርፍዎምን ነበሩ ቅዱስ ኣቦ፡ በቃ ኣብ መዓልቲ ምርጫኦም ክትሳተፉ ኣለኩም።ዋላ ከምቲ ናይ ቀብሪ ህዝቢ ንምዕሻው ኣብ ግብጺ በጺሕኩም ክትምለሱ ኣለኩም፡ ናይ ሰላም ቃል ኣስምዑና ብምባል ነቲ ሃገራዊ ድሕነት  ተዋህባ ካልእ ድሕረ ባይታ ዘለዎ ነቲ ካልእ ድሕረ መጋረጃ  ንምስላጥ ከተምባሁቅ ጀሚራ ኣላ። ከም ኣመላ ነቶም ከም ዓረብያ እትዝውሮም ጳጳሳት ክትገንሖም ፈቲና ኣላ።ሓቆም እዮም፡ ቅድሚ ህጂ ኣብ ሞት ቅዱስ ኣቦና ግብጺ በጺሖም ብዘይ ፍረ ተመሊሶም እዮም።

ነቲ ህዝቢ ግን ተሳቲፎም ዝብል ወረ ገርካ  ቲቪ ኤረ ኢዳ ኣይትስኣን ተዓሽዩ።ህጂ እውን በጃኹም ኣብ ኣየር ግብጺ ተሰቀሉ እሞ ንሕና ኸኣ ኣብ ምርጫ ተሳቲፎም ኢልና ከም ኣመልና ነታልል፡ንዛረብ በታ ካባ ሓሶት ዝኾነት ቲቪ ኤረ ገርና ኸኣ ኣብ ኤረትራ ዘሎ ህዝቢ ነዕሽዎ እዮም ዝብሉ ዘለዉ፡ ዘገርም እዩ፡ ኣየ መንፈሳውነት ናይ ሎሚ ዘበን እስከ ኣምላኽ ይቅረ ይበለልኩም ንሕናስ እንበር ክትጠፍኡ ኣይንደልን ኢና።

ስለምንታይ ግን ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክሳዕ ክንድዚ ኣምላኽሲ ቀደም እዮም እንካ ንዒቆሞ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓዊ ከቃጽልዎ ከለዉ።ግን ክሳዕ ክንድዚ ነፍሰ ምትላል ክሳዕ መኣስ፡ሰንክኹም ስም ሃይማኖትና ተጸሪፉ።ሰብ ካብ ቤተ ክርስትያን ይቅይር ኣሎ።እረ በጃኹምም ልቢ ግበሩ።ካብቲ ሓደ ኣደኒቁና ዘሎ ድማ ደለይቲ ሕብረት መሲሎም ክዛረቡ ምፍታኖም እዩ።ወይ ጉድ ምስመን እዩ እቲ ሕብረት??? ዝስሕቆ ዝሰኣነ ዘረባ፡ ምስ መናፍቅ ይሕበር እዩ?? ፡ናይ ትማሊ ዘረባኹም እባ ኣይትረስዕዎ፡ዶ ዋላ ናብ ልብኹም ኢኹም ተመሊስኩም፡ገሪሙና እኮ ዓሻ ጥዒሙዎ ኣሎ ሓው ዓሻ ኸኣ ሓሲምዎ ኣሎ ተባህለስ ከምዚ ምስ ተረኽበ  እዩ፡ኣየ እባ ነታ ኣደኹም ዝኾነት ኦርቶዶክስ ክንደይ ኢኹም ተብክዩዋ ዘለኹም።ምሳሌ 10:1 

ካብቲ ዘደነቀና ድማ ምውራድ ኣቡነ እንጠንዮስ ኣግህዩና እዩ ክብሉ መጀመርታ ሰሚዕና ኣለና፡ ጨለ ዘረባ ።እወ ህጅስ ኣግህዩኩም ይኸውን ስለምንታይ ኩሉ መሳኹቲ ሓሶት ተዓጽዩ ፡ነገራት ምስኻዕ ኣብዩኩም መሕለፊ ስለ ዝሰኣንኩም ሎሚ ተፈሊጥኩም፡ሕጊ ተረጊጽካዮ ተመሊሱ እዩ ዝረግጸካ ዝብል ቃል ቅዱስ ኣቦና ስለ ተተግበረ። እዩ እቲ ጓህኹም እሞ ዘግህየኩም ተሃልዩስ ትምኒትኩም ክትፍጽሙ ብዘይ ምኽኣልኩም ጥራሕ እዩ። ብሓቂ ሓቀኛ ጓሂ እንተጉሂኹም ደኣሞ ነቶም ተሳስይሎም ዘለኹም ናይ ሓሶት ፓትሪያርክ ንዑ ደኣ ተመለሱ ናብ  ሓቂ ፡ሃይማኖትና ሰንክኹም ፋሕ ኢላ ውረዱ ሕጋዊ ፓትሪያርክ ናብ ቦትኦም ይምጽኡ ዘይትብልዎም።

ነቲ ተዋህዶ ሃደሽደሽ ንምባል ካብ ግዜ ቃልሲ ኣትሒዙ ሕንጻጽ ዝነበሮ እሞ፡ ብኣኹም ገይሩ ገረብ ብሓኽላ ቤተ ክርስትያን ዘፍርስ ዘሎ መንግስተ ኤረትራ ካብ ሃይማኖትና ኢድካ ጠርንፍ ዘይትብልዎ።ምስ መን ኮንኩም ንመን ትወግኡ ኣለኹም እካ ዘይትፈልጡ፡ነዚ ደኣ ይኣክል ተዋህዶ ምሽክዕላል ዘይትብሉ።ብድሕሪኡ ሰብ ኣይንጥርነፍን ተኢሉ ካልእ ስነ ሓሳብ ስለ ዘለዎም እዩ ምበልኩም፡እዚ ንብዓት ሓርገጽኹም ቀደም ሰብ ብገርሁ ምሰርሐ ነይሩ እንተ ሎሚ ግን ሰብ ለቢሙ እዩ። ምሳሌ 17:21ምሳሌ 17:25:

ብሓቂ ንወላዲትኩም  ምረት  ኢኹም።ሓደ ነገር ተረዲኡና ኣሎ ዕሽነትኩም ከምዘይ ርድኣኹም  ምሳሌ 27:22: 

ክንደይ ግዜ ቤተ ክርስትያና ካብ ኣሕዋታ ከም ዝተነጸለት ነጊሮምና ኣለዉ ኸኣ ኢሎኩምና፡ እወ ኣበይ እሞ ትሰምዑ፡ግን ኣብ ኣትላንታ ዘለዉ  ይኹኑ ዋላ ኣብ ካልእ ዘሎና ኣሕዋት ኣይኮናን ነጊርናኩም። ሓቂ እያ ትምጉተኩም ዘላ።ነቲ ኣቡነ መቃርዮስ ብዙሕ ጻዕሪ ገይሮም ዝብል ድማ መሳኽን ናብ ረብሓኦም ከውዕልዎ ምፍታኖም እዩ።ነዚ ትብልዎ ዘለኹም ጉጅለ ክእመን ኣይኮነን ጽዒሮም ኤረትራ ፍጹም ከይትሳተፍ ስለ ተኣገደት እሞ፡ ስም ናይታ ሃገር ንኽጽዋዕ እንበር፡ሰሪሖም፡ ኤረትራ እንተ በቲ ዝሰረዝኩሞ ሕጊ ድያ ዋላ በዚ ህጂ ሲኖዶስ ግብጺ ወሲዱዎ ዘሎ ስጉምቲ ኤረትራ ንኽትሳተፍ ስም ኤረትራ ኽጽዋዕ ስለ ዝጸዓሩ እዩ።



እንበር ሕብረት  ኣብያተ ክርስትያናት ኣመሪካን ኣውረጳን  ማእከላይ ምብራቅን ደኣ እሞ መን ምዃኑ ንባዕሉ ተፈሊጡስ መን ምዃንኩም ኣብ ቅድሚ ዓልም ብምቅላዕ ከም ትፍንፈኑ ገይርኩም እንድዩ እንታይ ምስክርነት ኣቡነ መቃርዮስ ኣድልይዎ።ካብ ዘረባ ምሽራፍ ግን መገዲ ሂወት ምሓዝ ይሕሸኩም ንብል።



ነቲ ዘፍረሱዎ ሕጊ ድማ ውዑልና ከምዚ እዩ ነይሩ ከምዚ እባ ብምባል ከማርሩ ጀሚሮም ወይ ንብዓት ሓርገጽ  እንዳ  ኢዛቤል ውዑል ደኣሞ ምሽ ኣፍሪስኩሞ ፡ናበይ ዉዑል ፡ግብጻዊት ኦርቶዶክስ  ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ምስ ኦርቶዶክሳውያን ደኣላ ተወዓዒላ እንበር ምስ ፖሎቲከኛታት ኣይኮነትን ፡ስለዝስ ኣብዘይ ጉዳይኩም ኣይትእተዉ ።ተመለሱ ግዳ ኩሉ ከይፈንፈነኩም።ዓሻስ ክሳዕ ጎቦጣ ዝውዳኣ ይጻወት።

                      እግዚኣብሔር ኣምላኽ በዓል ሓቂ ይሓግዝ ኣሜን !
                                dmstiorthodox@gmail.com